ኮሮናቫይረስ ሓድሽ መጸውዒ ስም ረኺቡ

መነጽር ዘለዎ መከላኸሊ ማስኬራ ዝወደየ ሰብ ኣብ ቤጂንግ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, EPA

ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ብኮሮና ቫይረስ ዝመሓላለፍ ሓድሽ ሕማም፡ Covid-19 [ኮቪድ-19] ዝብል መጸውዒ ስም ሂቡዎ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ካብ ድሕሪ ሕጂ እቲ ሕማም፡ Covid-19 ዝብል ስም ተዋሂቡዎ ኣሎ" ክብል ኣብ ጀኔቫ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ቻይና ልዕሊ 1000 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ እዩ ሓድሽ መጸውዒ ስም ተዋሂቡዎ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ፡ በቲ ሕማም ተለኺፎም ይሳቐዩ ኣለዉ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ እዚ ሕማም ተወሳኺ ህይወት ከየጥፈአ ህዝቢ ዓለም ብሓባር ተቓሊሱ ክገትኦን ከጥፍኦን ጸዊዑ።

'ኮሮናቫይረስ' ዝብል ቃል ነዚ ሕማም ዘምጽእ ዓሌት'ቲ ቫይረስ ዝምልከት ምበር ናይቲ ቫይረስ ኮነ ናይቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሕማመ ስያመ ኣይነበረን።

ዓለም-ለኸ ጉጅለ ምርምር ቫይረስ፡ ነቲ ተሰካሚ ቫይረስ ንባዕሉ እንተኾነ'ውን፡ ሳርሰ-ኮቭ-2 [ SARS-CoV-2] ዝብል መጸውዒ እዩ ሂቡዎ።

ተመራመርቲ፡ ስያመ እቲ ሕማም ምስ ዝኾነ ሃገር ኮነ ክፋል ማሕበረሰብ ከይዛመድ ምእንቲ ዘየማትእ ሳይንሳዊ መጸውዒ ክረክብ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከምዝበሎ፡ እዚ ሓድሽ መጸውዒ፡ እቲ ሕማም ግልጽን ምስ ዝኾነ ማሕበረሰብ ዘይዛመድን ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ተዛሪቡ።

ካብ ካልኦት ቫይረሳት ፈሊኻ ንምርኣይን ንሓዋሩ ስዒቦም ክመጽኡ ካብ ዝኽእሉ ዓይነታት ሕማማት ፈሊኻ ንምፍላዩ ከምዝጠቅም ድማ ገሊጹ።

እቲ ሓድሽ መጸውዒ፡ 'ኮሮና'፡ 'ቫይረስ' ከምኡ'ውን 'ዲዚዝ' ካብ ዝብሉ ቃላት ኣዛሚድካ ዝተረኽበ ኾይኑ፡ 2019 ድማ እቲ ቫይረስ ዝተኸሰተሉ ዓመት ዝሕብር እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ሕማም፡ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ታሕሳስ 31 እዩ ኣለልዩዎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ቻይና ጥራሕ ልዕሊ 42 ሺሕ ተለኺፎም ይርከቡ።

ቁጽሪ መወትቲ ድማ፡ ካብቲ ኣብ 2002/03 ተላቢዑ ዝነበረ ሳርስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቫይረስ ዛይዱ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብታ'ቲ ሕማም ፈለማ ዝተኸሰተላ ግዝኣት ሁበይ 103 ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ኣብ መላእ ቻይና ዛጊድ ጠቕላላ 1016 ሰባት ሞይቶም።

እንተኾነ ፍጥነት እቲ ለበዳ፡ ብ20 ምኢታዊ እናነከየ ምምጽኡ ተስፋ ኮይኑ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ለበዳ፡ ሰበስልጣን ቻይና እናተነቐፉ ዝርከቡ ኾይኖም ግቦኦም ኣይተዋጽኡን ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ሓለፍቲ መንግስቲ ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚሩ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ እኹል ምላሽ እንተዝወሃብ፡ "እቲ ሕማም ዛጊድ ምግታእ ምተኽኣለ" ዝበለ ኾይኑ፡ ሊቃውንቲ ኣብ ጀነቫ ተራኺቦም እቲ ለበዳ ጠጠው ዝብለሉ መገዲ ክዝትዩ ምዃኖም ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ንሓደ መኪና ዘዋሪ ጠጠው ኣቢሉ ረስኒ ዝልክዕ ዋርድያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ንሓደ መኪና ዘዋሪ ጠጠው ኣቢሉ ረስኒ ዝልክዕ ዋርድያ