ክልተ ኤርትራውያን ነበርቲ ብሪጣንያ ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

ኣብ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ ልዕሊ 1 ሚልዮን በፂሑ። ሃገራት ዓለም ለበዳ እዚ ቫይረስ ንምቁፅፅፃር ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ። ልዕሊ 200 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ካብቲ ቫይረስ ድሒኖም። ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዘለዉ ምዕባለታት፡ ኣብዚ ገፅ እዚ ብቀጥታ ከቕርብ እዩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብኮሮናቫይረስ ዘይተለኸፈት ንእሽቶ ሃገር

    ብመሬት ካብ ዝተኸበባ ሃገራት፡ ክሳብ ቀረባ ግዜ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ዘይረኸበት ማላዊ ጥራይ እያ ነይራ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    መግለጺ ስእሊ, ብመሬት ካብ ዝተኸበባ ሃገራት፡ ክሳብ ቀረባ ግዜ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ዘይረኸበት ማላዊ ጥራይ እያ ነይራ

    ክሳብ 12 ጥሪ (ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን) ካብ ቻይና ወጻኢ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ 13 ጥሪ ግን፡ እቲ ሕማም ዓለምለኻዊ ክኸውን ጀሚሩ።

    ንመጀመርታ ግዜ ካብ ቻይና ወጻኢ፡ ኣብ ታይላንድ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ተረኺቡ። ካብኡ ድማ፡ ኣብ ጃፓን ስዒቡ ድማ ኣብ ደቡብ ኮርያን፡ ከምኡ እናበለ ናብ ሃገረ ኣመሪካ ኣትዩ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ዓለም እንተርኢና፡ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣጥቂዑ። ከም ጠብጠብታ ጀሚሩ፡ ከም ውሕጅ ይህንደድ ኣሎ።

    እቲ ለበዳ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ፡ ቁጽሪ ግዳያት'ውን ከክብ እናበለ፡ ሆስፒታላት'ውን በበበዝሒ ሕሙማት ተጨናኒቐን ይርከባ።

    ንምዃኑ፡ ዛጊድ ካብዚ ቫይረስ ነጻ ዝኾነት ዓዲ ኣላዶ?

    እቲ መልሲ ብዝገርም ኩነታት 'እወ' እዩ።

  2. ወታሃደራት ርዋንዳ ደቂኣንስትዮ ዓሚጽኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

    ኣብ ርዋንዳ፡ ንኣዋጅ ዕጽዋ ኮቪድ19 ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ሓሙሽተ ወታሃደራት ደቂኣንስትዮ ዓሚጽኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

    ሓንቲ ካብተን ግዳያት፡ ሓደ ምስ ዕጥቁ ዝነበረ ወታሃደር ብሓይሊ ኣብ ገዝኣ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንብዓል ቤታ ከምዝሃረሞን፡ ገደፍ ምስ በለቶ ብሓይሊ ከምዝዓመጻ ተዛሪባ።

  3. ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዝውዕል ገንዘብ ወፊያ

    ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝውዕል 1 ሚልዮን ናቕፋ ከምዘወፈየት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

    ብዘይካ'ዚ፡ ማሕበር ወነንቲ ታክሲ'ውን ፍርቂ ሚልዮን ከምዝሃቡ ጠቒሱ።

    ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ከምዘዋጽኡ ተፈሊጡ።

    ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ

    ምንጪ ስእሊ, LISANTEWAHDO

  4. ሓድሽ ዜና, ክልተ ኤርትራውያን ነበርቲ ብሪጣንያ ብኮሮና ቫይረስ ሞይቶም

    ክልተ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

    እቲ በቲ ኤምባሲ ዝወጸ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ 6 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝጠቅስ እኳ እንተኾነ፡ እቶም ኣርባዕተ ብዝሓደሮም ካልእ ሕማማት ከም ዝሞቱ ይገልጽ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ክልተ ኤርትራውያን በቲ ቫይረስ ሞይቶም ምንባሮም ተሓቢሩ ነይሩ።

    ቤተሰብ ምውታት፡ “ብሰንኪ ተነቢሩ ዘሎ እገዳታት ምእካብን፡ ማሕበራዊ ምፍንታትን ከምቲ ግቡእ ክሓዝኑ” ከምዘይክኣሉ’ውን እቲ ምግለጺ የረድእ።

    ኣምቡላንስ ለንደን

    ምንጪ ስእሊ, LAS

  5. ድሮግባን ኤቶን ኣብ ኣፍሪቃውያን ክግበር ንዝተባህለ ናይ ኮቪድ-19 ፈተነ ኮኒኖም

    ክልተ ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ነቲ ብክልተ ፈረንሳውያን ሓካይም ዝቐረበ፡ ናይ ሕክምና ፈተነ ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪቃውያን ክግበር ዝብል ሓሳብ ኮኒኖም።

    ወዲ ኣይቮሪኮስት ዲድየር ድሮግባ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ህዝቢ ኣፍሪቃ ናይ ጕኒ ሓሰማ [መፈተኒ] ኣይኮነን" ድሕሪ ምባሉ "ኣፍሪቃ ቤተ-ፈተነ ኣይኮነትን" ክብል ነቲ ሓሳብ ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ።

    እቶም ሓካይም፡ ብዛዕባ ፈወሲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓደ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝካትዕሉ ዝነበሩ እዋን'ዮም ነቲ ሓሳብ ተዛሪቦም።

    ፍሉጥ ካሜሩናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ ነበር ሳሙኤል ኤቶ ብወገኑ፡ ነቶም ሓካይም "ቀንጸልቲ" ክብል ገሊጽዎም።

    ድሮግባ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

    እቲ ብ1 ሚያዝያ ብመደበር ተለቪዥን ኤል-ሲ-ኣይ (LCI)፡ ቪድዮ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ፓሪስ ዝሰርሑ ዶ/ር ጃን ፖል ሚራን ዶ/ር ካሚለ ሎክትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ'ሎ።

    ኣብቲ ቪድዮ፡ ዶ/ር ሚራ፡ ከምቲ ናይ ኤድስ ፈተነታት፡ ናይ ኮቪደ-19 ፈተነ እውን፡ ኣብ ኣፍሪቃውያን ክካየድ ኣለዎ ኢሉ።

  6. ብሪጣንያ፡ ኣብ ትሽዓተ መዓልቲ ዝተሃነጸ ሆስፒታል ተመሪቑ

    ኣብ ህንጸት እቲ ሆስፒታል ሰራዊት እጃሙ ኣበርኪቱ'ዩ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንጸት እቲ ሆስፒታል ሰራዊት እጃሙ ኣበርኪቱ'ዩ

    ኣብ ብሪጣንያ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ተባሂሉ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ መዓልትታት ዝተሃነጸ ሆስፒታል ኣገልግሎቱ ጀሚሩ።

    እዚ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገለጸ ሆስፒታል ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ልዑል ክንክን ንዘድልዮም ሕሙማት ኣገልግሎት ክህብ እዩ።

    ኣብ 87328 ትርብዒት ሜትሮ ዝተደኮነ እዚ ሆስፒታል፡ ነፍሲወከፎም 42 ዓራት ዝሕዙ 80 ክፍልታት ኣለዎ።

    እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦ ልኡል ቻርለስ ነቲ ሆስፒታል በቪድዮ መሪቑ ከፊትዎ።

    እቲ ልኡል፡ ነቲ ሆስፒታል ኣብ ሒደት መዓልትታት ክውን ክገብሩ ንዝኸኣሉ ኣካላት ምስ ኮሮናቫይረስ ገጢሞም ዝቃለሱ ዘለው ሞያውያን'ውን ኣመስጊኑ።

  7. ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝፍተና ዘለዋ መናበዪ ኣረጋውያን ኣውሮጳ

    ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ኣረጋውያን ዝሕብሓቡለን ማእከላት፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ውሽጠን ከይላባዕ ይቃለሳ ኣለዋ፡፡

    ፈረንሳ ዛጊድ ኣብተ መእለዪ ማእከላት ዝነብሩ 884 ኣረጋውያን፡ በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ገሊጻ ኣላ፡፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ስጳኛ፡ ማድሪድ፡ ኣብተን ማእከላት ብዙሓት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን፡ ብፍላይ ኣብ ክልተ ካብኣተን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ተሓቢሩ።

    ኣብ ጣልያናዊት ከተማ ነፕልስ ኣብ ዝርከብ ተመሳሳሊ ማእከል 'ውን በቲ ቫይረስ ብዙሓት ምስሞቱ፡ ካልኦት ነበርቲ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ተገሊጹ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብ ስዊዲን ከተማ ስቶክሆልም፡ ኮቪድ-19 ኣብ 100 ማእከላት ከምዝተላበዐን፡ 400 ሰባት ከም ዝተታሕዙን ከባቢ 50 ከምዝሞቱን ጸብጻባት ሓቢሮም።

    መንግስቲ ፈረንሳ፡ ጸብጻብ ናይዘን መሓብሓቢ ማእከላት ኣብቲ መዓልታዊ ክግለጽ ዝጸንሐ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱን ዝተለኸፉን ሰባት ይኣቱ ኣይነበረን ኢሉ።

    ዓመታዊ ሞት 5 ኣብ ዝነበረሉ ሓደ ማእከል ኣረጋውያን ፈረንሳ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ 10 ሞት ከምዘመዝገበ ዳይረክተር እቲ ማእከል ተዛሪቡ።

    ኣብ ማድሪድ ድማ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብተን ማእከላት ከባቢ 3000 ሰባት ከምዝሞቱን እዚ ድማ ካብቲ ልሙድ ብ 2 ሽሕ ከምዝዛይድን ተሓቢሩ።

    እቲ ኣብ ኢጣልያ ዝተራእየ ልዑል መጠን ሞት ድማ፡ ኣመሓደርቲ ነቲ ለበዳ ዕሽሽ ኢሎምዎ ብምንባሮም ዝሰዓበ ከምዝኾነ ቤተሰብ እቶም ኣብተ ማእከላት ዝነብሩ ሰባት የማርሩ፡፡

  8. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሽድሽተ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 74 ሰባት፡ እቶም 6 ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ።

    እቶም ዝተረኸቡ ሰባት 5 ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 1 ድማ ካብ ድሬዳዋ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁጽሮም 35 በጺሑ’ሎ።

    መመርመሪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  9. ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ክቕጽለሉ ዝተሓሰበ መዓልቲ መሊሱ ክናዋሕ’ዩ

    ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪፁ ዘሎ ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ 30 ሚያዝያ 2020 ክጅምር ተሓሲቡ እንተነበረ’ኳ፡ ሎሚ ዓርቢ ብዝወሃብ ውሳነ መሊሱ ከምዝናዋሕ ተፈሊጡ።

    ኩለን 20 ተሳተፍቲ ጋንታታት ብቪድዮ ንኣኼባ ክራኸባ እየን።

    እቲ ውድድር በቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰነ መዓልቲ ክጅመር ከምዘይብሉ ድማ ቅቡል ገይረንኦ’የን።

    እቲ ሊግ ናብ ወርሒ ጉንበት ክናዋሕ ትጽቢት ኣሎ።

    ፈረንሳይን ስፔንን፡ ሊጋተን ኣበየናይ ወርሒ ከምዝጅመር ከይገለጻ ክቋረጽ ብዝወሰንኦ መሰረት፡ ዝካየድ ግጥም የለን።

    ሰሪ-ኤ ጣልያን ግና፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ከምዝምለስ’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

    ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  10. ኣብ ፓኪስታን ንቀብሪ ዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

    ፓኪስታን ንዝኣወጀቶ እገዳ ምንቅስቓስ ብምጥሓስ ብሞት ንዝተፈለዮም ቤተሰብ ክቐብሩ ዝተኣኻኸቡ ሓዘንተኛታት፡ ብፖሊስ ተታሒዞም።

    ካብቶም ዝተኣሰሩ ስድራ፡ ዶክተር ኣንጁም ማሕሙድ ይርከብዎም።

    እቲ ዶክተር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝሞታ ኣዲኡ ክቐብሩ ዝኸዱ ምሉእ ቤተሰቡ ከምዝተቐየዱ ተዛሪቡ።

    ገለ ኣዝማዱ’ውን ገዝኦም ብደገ ተቖሊፉ፡ ብፖሊስ ይሕለዉ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    20 ዝኾኑ ኣባላት ቤተሰቡ ኣብ መወሸቢ ከምዝርከቡ ገሊጹ’ሎ።

    ንሱን ቤተሰቡን ኣብ እንግሊዝ ዝነብሩ’ኳ እንተኾኑ፡ ንመርዕኡ ዝኸውን ናውቲ ንምዕዳግ’ዮም፡ ናብ ፓኪስታን ከይዶም።

    ኣብ ፓኪስታን እናሃለዉ ኣዲኡ በቲ ቫይረስ ስለዝሞታ ድማ፡ ናብ ቀብሪ ምስወጽኡ ተቐይዶም።

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, FAMILY

  11. ባንኪ ዓለም፡ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ፡ 82.6 ሚልየን ዶላር ሓጊዙ

    ዋላእኳ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ስርዓት ጥዕና ምዝርጋሕ እንተኽኣለት፡ ንብዙሓት ሃገራት ዓለም ፈተና ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግና፡ እታ ሃገር ምስ ዘለዋ ጥዕና ሕብረተሰብን ሽፋን ጥዕናን ተዛሚዱ፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ብድሆ ከእትዎ ይኽእል እዩ።

    እዚ ሓገዝ ድማ ዓብይ ግደ ክህልዎ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

    “ናይ ህጹጽ እዋን ምክልኻልን ድልዉነትን” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እዚ ፕሮጀክት፡ እታ ሃገር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ዝፍጠሩ ክፍተታት ንምምላእን ነቲ ለበዳ ዘለዋ ቅድመ ድልውነት ዘጠናኽርን ከምዝኾነ፡ እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

    እቲ ገንዘብ፡ ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዝሕግዙ ናይ ሕክምና ኣቑሑት መዐደጊ፣ ንምርመራ ጥርጡራትን ስልጠናን፣ ካብ ሃገራት ወፃኢ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገያሾ ዝምርምሩ መሳርሕታት፣ ማእኸላት መወሸቢ ንምህናፅን ዝውዕል እዩ።

    ካብዚ፡ እቲ 41.3 ሚልየን ዶላር ብልግሲ፡ እቲ ዝተረፈ 41.3 ሚልዮን ድማ ብልቓሕ ከምዝወሃብ ሓበሬታ ባንኪ ዓለም የረድእ።

    ሓገዝ ባንኪ ዓለም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  12. ኣብ ትግራይ ብስልኪ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ኣሎ

    እቲ ኣገልግሎት ፈተነ ትምህርቲ ኣብ ስልኪ ብፅሑፍ (ተሌ ቱተሪንግ) ኣብ መቐለ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት እዩ ዝወሃብ ዘሎ።

    ብሰንኪ ለበዳ ኮረናቫይረስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብያተ-ትምህርቲ ክዕፀዋ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

    ተምሃሮ ኣብ ገዛ ብምውዓሎም ካብ ትምህርቲ ከይበኹሩን እቲ ዝወስድዎ ዝነበሩ መስርሕ ትምህርቲ ክቕፅልን ዝዓለመ መደብ ይካየድ ኣሎ።

    እቲ መደብ ብምትሕብባር፡ ቢሮታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትምህርትን ምስ እርግብ ኣገልግሎት ትምህርቲ ይወሃብ'ሎ።

    ኣተሓባባሪት እቲ ውጥን ኢንጅነር ኣስቴር ይተባረክ ንቢቢሲ እንትገልፃ፡2000 ተምሃሮ ቤት-ትምህርቲ ፈለገ ህይወት ኣብ ገዛኦም ኮይኖም ይመሃሩ ኣለዉ ኢለን።

    "ተምሃሮ ትምህርቲ ተዓፅዩ እዩ ኢሎም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቑ፣ ኣብ ገዛ እንትውዕሉ ምስ ወለዶም ኰይኖም፡ ኣብ ትምህርቲ ክፅመዱ ንምኽኣል፣ ትምህርቲ ዘላቒ ምዃኑ ክፈልጡን ምስ መማህራኖም ከይበታተኹን ዝሕግዝ መደብ እዩ" ኢለን ኢንጅነር ኣስቴር።

    ብመሰረት እዚ ናብ ሕድሕድ ተምሃራይ፡ 1,050 ፅሑፍ ብስልኪ ንምልኣኽ፡ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን 50 ብር ይኸፍል።

    መምሃራን ስልጠና ብምውሳድ፡ ተምሃሮ ኣየናይ ዓይነት ትምህርትን ንፁር ኣርእስትን ምስ ዕዮ ገዛ መዓልታዊ ናብ ተምሃሮ ይልእኹ።

    ወለዲ በቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ሕጉሳት ምዃኖም ይገልፁ ኣለዉ ዝብላ ኢንጅነር ኣስቴር፡ ወለዲ ባዕሎም ስልኪ ብምድዋል ክትትል ይገብሩ ኣለዉ ኢለን።

    ዓይነታት ትምህርቲ
  13. ኣብ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክሳብ 10 ሚልዮን ይበጽሕ - ኣውስትራልያዊ ዶክተር

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ተረጋጊጹ ይበሃል።

    ሓደ ላዕለዋይ ዶክተር ሃገረ ኣወስትራልያ ግና፡ እቲ ቁጽሪ ካብቲ ዝግለጽ ኣዕርዩ ከምዝዛይድ ይዛረብ።

    “ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ይግለጽ። እቲ ቁጽሪ ግና፡ ካብቲ ዝግለጽ ብሓሙሽተ ወይ ዓሰርቲ ዕጽፊ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል ዶክተር ብሬንዳ መርፊ።

    ኣብ ኣወስትራልያ ብምርመራ ተረጋጊጹ ዝተበሃለ ቁጽሪ ልክዕ ምዃኑ ዝገልጽ እቲ ዶክተር፡ “ኣወስትራልያ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብዝሓሸ ብዙሓት ተጠርጠርቲ ትምርምር ኣላ” ክብል ከም ምኽንያት የቕርብ።

    ካልኦት ሃገራት ግና፡ ናይ ምምርማር ዓቕመን ዝተሓተ ከምዝኾነን ዝተወሰና ድማ፡ “ንኩሎም ተጠርጠርቲ ኣይምርምራን” ኢሉ።

    ኣብ ኣወስትራልያ 5,200 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ከምዘለዉ ይግለጽ።

    ኮረናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  14. ተወሺባ ዝቐነየት ጓል ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ምስ ስድርኣ ተራኺባ

    ጓል ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ፡ ንኽልተ ሰሙን ዝገበረቶ ነብሰ-ውሸባ ብምውዳእ፡ ምስ ስድርኣ ተራኺባ።

    ንሳ ኣብ “ደሓን፣ ጥዕና ዝተመልኦን ጽቡቕን” ኩነታት ከምዘላ ተገሊጹ።

    ጓል ፕረዚደንት ቡሃሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ እንግሊዝ ምስተመለሰት’ያ፡ ብመሰረት ኣብታ ሃገር ዝተወሰነ ውሳነ፡ ኣብ መወሸቢ ክትጸንሕ ዝተገበረ።

    በዓልቲ ቤት እቲ ፕረዚደንት ብትዊተር ኣብ ዝጠቀዐቶ ምስ ጓል ክትራኸብ ከላ ዘርእይ ስእሊ፡ ንኹሎም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ምሕረት ተመንያ።

    ኮረናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, AISAH BUHARI [TWITTER]

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

  15. ኣሜሪካ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ዝለዓለ ቁጽሪ ኣመዝጊባ

    ኣብታ ሃገር ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ እናወሰኸ ይመጽእ ዘሎ ኮይኑ፡ ትማሊ ጥራይ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 1,169 ሰባት ሞይቶም። እዚ ድማ እቲ ለበዳ ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሃገራት ዘጋጠመ ዝለዓለ ኮይኑ’ሎ። ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 244 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፡ 6 ሽሕ ሰባት ምሟቶም ተረጋጊጹ። ኣብ ኒውዮርክ ጥራይ 1,500 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ።

    ኮረናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

  16. ኣሜሪካ፡ ኣብ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘለዋ መመርሒ ክትቕይር’ዶ ትኸውን?

    መንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታት ንነብሶም ካብ ኮሮናቫይረስ ንኽከላከሉ፡ ካብ ገዝኦም ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን መሸፈኒ ክጥቀሙ መመርሒ ከውጽእ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

    ንውሳነ መንግስቲ ዝተቐበሉ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ኣሜሪካውያን ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኣብ ዝበሉሉ እዋን፡ ውሑዳት ግን ኣብ ጎደናታት ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ።

    ሰብ-መዚ ኒውዮርክን ሎስ ኣንጀለስን ከኣ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን - ማስክ - ክጥቀሙ ይምዕዱ ኣለዉ።

    ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ቢል ደ ብላሲዮ፡ ኣብ እዋን ሕክምና መጥባሕቲ ሰብ ሞያ ዝጥቀምሎም መሸፈኒ ዘይኮኑስ፡ መንዲል ወይ ሻርፕ ምጥቃም ከምዝከኣል ሓቢሩ።

    እቶም ሰብ ሞያ ዝጥቀሙሎም ሕጽረት ከምዘጋጠመን፡ ብሰራሕተኛታት ሕክምና ከምዝድለዩን ድማ ኣዘኻኺሩ።

    ኣባል ሓይሊ ዕማም [ታስክ ፎርስ] ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣሜሪካ ዝኾነት ዶክተር ዲቦራ ቢርክስ ግን፡ እቲ ቫይረስ ብኢድካ ንገጽ ብምትንካፍ ክጋፋሕ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ኮይንካ ሰባት ነቲ መሸፈኒ ክጥቀሙ መምርሒ ምውጻእ ትኽክለኛ ዘይኮነ ስምዒት ውሕስና ክፍጠር ዝገብር’ዩ ትብል።

    ኮረናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  17. ቻይና ኣብ ምቅላስ ኮሮናቫይረስ ንዝሞቱ “ሰማእታት” ክብሪ ክትህብ’ያ

    ቻይና ጽባሕ ቀዳም ነቶም ኣብ ምቅላስ ኮሮናቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ “ሰማእታት”: ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝካየድ ናይ ሰለስተ ደቒቓ ጸጥታ (ስቕታ) ክትዝክር ምዃና ተገሊጹ።

    እቲ ስነ-ስርዓት ጽባሕ ኣብ ዝፍጸመሉ ሰዓት ብድሕሪ’ቲ ንደቓይቕ ዝጸንሕ ስቕታ፣ ንሓዘኖም ዝገልጹ ድምጽታት ጥሩምባን መኻይንን ከምዝዕጀብ ወኪል ዜና ዢንዋ ሓቢሩ።

    ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብታ ሃገር ዝተረኣየ ኮይኑ፡ ዛጊድ ልዕሊ 3,300.ሞት ኣጋጢምዋ’ሎ። ካብ ሞንጎ’ቶም ዝሞቱ ድማ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዶካትርን ይርከብዎም።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ኣብታ ሃገር ይንክዩ ዘለዉ ኮይኖም፡ ዝበዝሑ እቲ ቫይረስ ዝርከቦም ዘሎ ካብ ደገ ሒዞምዎ ዝመጽኡ ከምዝኾኑ ሰበስልጣን ይዛረቡ።

    ኮረናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  18. ኢትዮጵያ ልዕሊ 180,000 ሰባት ዘተኣናግዱ መወሸቢ (ፈሊኻ መጽንሒ) ከምዘዳለወት መንግስቲ ኣፍሊጡ

    ኣብ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ፕረስ ሰክሬታርያት ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፡ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ማእከላት ሕክምናን መወሸብን፡ ካልኦት 180 መወሸቢ ከምዝተዳለዉ ገሊጹ።

    ንሱ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ልዕሊ 180,000 ክቕበሉ ዝኽእሉ ማእከላት ሓይሊ ሰብን ዘድልይ ናውትን ንክማልኣሎም ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

    እቶም መወሸቢ ቦታታት ድማ፡ ትካላት ሕክምና፣ ሆቴላት፣ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ሃይማኖትን ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

    ካብ ሃገራት ወጻኢ ንዝመጽኡ ሰባት ሆቴላት ከምዝተዳለወሎም ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ቦታታት ብፖሊስ ጥቡቕ ሓለዋ ይግበረሎም ኣሎ ኢሉ።

    ኣብ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ፕረስ ሰክሬታርያት ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን

    ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister - Ethiopia