ኢጣልያ፡ ምስ ኮሮና-ቫይረስ ብዝተኣሳሰር ናዕቢ 6 እሱራት ሞይቶም

14 ዞባታት እታ ሃገር፡ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ፍሉይ ፍቃድ የድልዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 14 ዞባታት እታ ሃገር፡ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ፍሉይ ፍቃድ የድልዮም

ኣብ ኢጣልያ፡ በሰንኪ'ቲ መንግስቲ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ሓድሽ ገደብ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተቓውሞታት ተላዒሉ።

ኣብ ሞደና ኣብ ዝተብሃለት ሰሜናዊት ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተወለዐ ናዕበ ብውሕዱ 6 እሱራት ሞይቶም። እቲ ሓድሽ ኣዋጅ እሱራት ምብጻሕ'ውን ዝኽልክል ብምዃኑ ዝተቖጥዑ እሱራት ተቓውሞታት የስምዑ'ለዉ።

ሰብ-ስልጣን ንመራኸቢ ሓፋሽ ከምዝበልዎ፡ እቶም እሱራት ነቲ ኣዋጅ ድሕሪ ምስመዖም ናዕቢ ከም ዘልዓሉወን፡ ንሓደ ክፍሊ ሓዊ ከም ዝወልዕሉን ተዛሪቦም።

ክልተ ካብቶም ግዳያት ሞት ግን ብዝወሰድዎ ካብ መጠን ንላዕሊ መድሃኒት ከምዝኾነ ተፈሊጡ። ንሳቶም፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ዕጸ-ፋርስ ብሰንኪ'ቲ ሓድሽ ፖሊስ ክረኽብዎ ብዘይምኽኣሎም፡ ንዕኡ ዝመሳሰል መድሃኒት ንምርካብ ንፋርማሲ ናይቲ ትካል ብሓይሊ ብምስባር፡ ኣትዮም ድሕሪ ምውሳዶም'ዮም ሞይቶም ክብሉ እቶም ሰብመዚ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ጣልያን ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ንምቍጽጻር፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣስታት 16 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ (ክውሸብ) ገይሩ'ሎ።

14 ዞባታት እታ ሃገር፡ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ፍሉይ ፍቃድ የድልዮም። ከተማ ሚላንን ቨኒስን'ውን በቲ ስጉምቲ ተጸልየን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፕ ኮንተ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፤ ለይታዊ ትልሂት፤ ቤተ-መዘክርን ዝርከብአን ህዝቢ ዝእከበለን ትካላት ክዕጸዋ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ሎ። እዚ ጽኑዕ ትእዛዝ'ዚ፡ ክሳብ 3 ሚያዝያ ክጸንሕ እዩ።

ካብ ሃገራት ኤውሮጳ በቲ ሕማም ኣዝያ ተጠቒዓ ዘላ ኢጣልያ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 50 ሰባት እንትሞቱዋ፡ ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 230 በጺሑ'ሎ። በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ዛጊድ 5,883 በጺሑ።

መግለጺ ቪድዮ, ካብ ኮሮና ቫይረስ ዝሓወየት ሰበይቲ