ኮሮና ቫይረስ፡ ኣመሪካ ናብ ቻይና ገይሾም ንዝቐነዩ ወጻእተኛታት ከምዘይተእቱ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ህጹጽ ኩነት ጥዕና ዝኣወጀት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ቻይና ምብጻሕ ዝገበሩ ወጻእተኛታት ናብ ሃገራ ክኣትዉ ከምዘይትፈቅድ ገሊጻ።
እቲ እግድ ካብ ጽባሕ ሰንበት ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 14 መዓልቲታት ናብ ቻይና ገይሹ ዝነበረ ዝኾነ ዜጋ ወጻኢ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ዝኽልክል እዩ።
ሐጻፊ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣመሪካ ኣሌክስ ኣዛር፡ እቲ ሕማም ካብ ዝጀመረላ ቻይናዊት ግዝኣት ሁበይ ንዝምለሱ ኣመሪካውያን ድማ ን14 መዓልቲታት ክትክርድኖም ምዃናን ካብ ካልኦት ግዝኣታት ቻይና ዝመጹ ግና ኩነታት ጥዕነኦም ባዕሎም ክከታተሉ ከምዝግበርን ኣፍሊጡ ።
ትማሊ ዝተረኸበ ሓደ ተወሳኺ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ፡ ቁጽሪ ኣብ ኣመሪካ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሸውዓተ ኣብጺሕዎ ኣሎ።
ኣቲ ቫይረስ ካብ ዝኽሰት ዛጊድ ኣስታት 12 ሽሕ ረኽሲታት እቲ ቫይረስ ዝተረጋገጹ ኮይኖም፡ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ቻይና እዮም።
ካብ ቻይና ወጻኢ ድማ ኣብ 22 ሃገራት ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።
ክሳብ ትማሊ ዓርቢ፡ ኣብ ቻይና ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 259 ከምዝበጽሐ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዝርገሐ ሕማም ኮሮናቫይረስ፡ ካብቲ ኣብ 2003 ዓምፈ ኣብ ልዕሊ 20 ሃገራት ተላቢዑ ዝነበረ ለበዳ 'ሳርስ'፡ ዝበዘሐ እዩ።
ቫይረስ 'ሳርስ' ኣብ ዝተዛመተሎም ሸሞንተ ኣዋርሕ 8100 ሰባት በቲ ቫይረስ እንትተሓዙ፡ 774 ሰባት ሞይቶም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







