ዝተፈላለዩ መገዲ ኣየራት - ካብን ናብን ቻይና ዝግበር በረራ ይስርዙ'ለዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ቻይና ዝተወለዐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስኢቡ፡ መገዲ ኣየር ብሪቲሽን ካልኦትን ካብን ናብን ቻይና ዝግበር ቀጥታዊ በረራታት ሰሪዞም።
ብሪቲሽ ኣየርወይስ ናብ ቻይና ዝግበር ቀጥጣዊ በረራ ዝሰረዘ፤ ብዘይካ ኣገደስቲ ርክባት ኩሎም ካብን ናብን ቻይና ዝግበሩ ጉዕዞታት ክተርፉ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ።
እቲ ሕማም ዛጊድ ንሞት ልዕሊ 100 ሰባት ምኽንያት ዝኾነ እንትኸውን፤ ኣብ መላእ ቻይናን ኣብ 16 ሃገራት ዓለምን ብቅልጡፍ እናስፋሕፈሐ ይርከብ።
ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ኣብታ መንቀሊት እቲ ሕማም ዝኾነት ከተማ ዉሃን ዝነበሩ ወጻእተኛታት እቲ ከባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ተገይሩ እዩ።
መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ልዕሊ 300 እንግሊዛውያን ንምውጻእ ኣብ ምድላው ይርከብ።

ጃፓን ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮፓን'ውን ብተመሳሳሊ ዜጋታቶም ካብቲ ከባቢ ንምልጋስ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።
ብዙሓት ሃገራት ዜጋታቶም ካብታ ከተማ እናውጽኡ ይርከቡ።
53 ደቂ ኒውዝላንድ፣ 200 ጃፓናውያን ካብ ከተማ ዉሃን ናብ ዓዶም ክውሰዱ እንከለው፤ 650 ጃፓናውያን ድማ ይጽበዩ ኣለዉ።
ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሂትረው ተላዒሉ መዓልታዊ በረራ ዘካይድ መንገዲ ኣየር እንግሊዝ ክሳብ ጃንዋሪ 31 ዘለዉ በረራታት እዩ ሰሪዙ።
ካብኡ ድማ፡ ነቲ ኩነታት መሊሱ ከምዘጽነዖ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብሪሁ።
"ንዓማዊልና ይቕረታ ንሓትት፤ እንተኾነ ጥዕናን ደሕነትን ሰራሕተኛታትና ኮነ ዓማዊልና ኢና ነቕድም" ይብል እቲ ዝተውሃበ መገለጺ።
ዩናይትደ ኣየርላይንስ፣ ኣየር ካናዳ፣ ናይ ኢንዶኒዥያ ላዮን ኣየር ናይ ሩስያ ኡራል ኣየርላይንስ ናብ ቻይና ዝግበር በረራ ሰሪዞም እዮም።
ዩናይትድ ኣየርላይንስ ካብ ኣመሪካ ናብ ቤጂንግ፣ ሆንግኮንግን ሻንጋይን ዝግበሩ ብሓፈሻ 24 በረራታት ሰሪዙ።

ዛጊድ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ቻይናውያን 132 በጺሑ ኣሎ።
ካብ ፈረንሳ ቀጺላ ብቲ ሕማም ዝተለኸፉ ዜጋታት ዝረኸበት ጀርመን እንትትኸውን፤ ዛጊድ ኣርባዕተ ዜጋታታ በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ ኣረጋጊጻ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ኣባላት ካብ ከተማ ዉሃን ዝተመለሱ ሓደ ስድራ በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ ኣፍሊጣ።

እዚ ብዘይሕጋዊ ናብ ንግዲ ካብ ዝወዓለ እንስሳ ዘገዳም [በረኻ] ከምዝመጽአ ዝዝረበሉ ቫይረስ ዛጊድ ፈውሲ ኮነ ክታበት ኣይተረኸበሉን።
እንተኾነ፤ ብርክት ዝበሉ ሰባት'ውን በቲ ሕማም ተታሒዞም ከምዝሐሾም ተገሊጹ።
132Deaths
5,974Confirmed cases
9,239Suspected cases
16Other countries with confirmed cases




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







