ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ህጹጽ ኩነት ጥዕና ኮሮናቫይረስ ኣዊጁ

ማስክ ዝገበሩ ተጓዓዝቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም በቲ ኣብ ቻይና ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ዓለማዊ ሓደጋ ከምዝኾነ ብምግላጽ ህጹጽ ኩነት ጥዕና ኣዊጁ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣዋጅ፡ እቲ ኣብ ቻይና ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ እዩ'' ብምባል እቲ ስግኣት ናብ ዝተሓተ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ከየስፋሕፍሕ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ኣመሪካ ዜጋታታ ናብ ቻይና ከይገሹ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ዛጊድ በቲ ቫይረስ፡ ኣብ ቻይና ጥራሕ 213 ሰባት አንትሞቱ፡ ኣስታት 10 ሽሕ ረኽሲታት እቲ ቫይረስ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ኣብ ካልኦት 18 ሃገራት፡ 98 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙን ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለን ሓቢሩ ኣሎ። ካብዚኦም ድማ እቶም ዝበዝሑ ናብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ገይሾም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብ ጀርመን፣ ጃፓን፣ ቬትናምን ኣመሪካን ግና ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተመሓላለፉ ሸሞንተ ረኽሲታት ተመዝጊቦም እዮም።

ነቲ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ዘይልሙድ ግብረ መልሲ ዝተውሃቦ ዘይልሙድ ለበዳ" ክብል ዝገለጾ ሕማም ንምክልኻል፡ ሰበ ስልጣን ቻይና ዝወሰድዎ ስጉምቲ ንኢዱ።

ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ምስ ቻይና ዝካየድ ንግዲ ይኹን ናብታ ሃገር ዝግበር ጉዕዞ ደው ክብል ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ኮይኑ ግና ዛጊድ ምስ ቻይና ዘራኸበን ዶብ ዝዓጸዋን ናብታ ሃገር ዝካየዱ በረራታት ደው ዘበላ ሃገራት ዘለዋ ኮይነን፡ ከም ጉግል፣ ኢክያ፣ ስታር ባክስን ተስላን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላት፡ ኣብ ቻይና ግልጋሎት ምሃብ ደው ከምዘበሉ ተገሊጹ ኣሎ።