ስግኣት ኮሮናቫይረስ ኢትዮጵያዊያን ተማሃሮ ኣብ ቻይና

ዉሃን

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY

ኣብ ቻይና ብዝተኸስተ ኮሮናቫይረስ ሓያሎ ሰባት ምማቶምን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት በቲ ሕማም ምልካፎምን ስዒቡ፡ ሰባት ብዝተኻእለ መጠን ካብን ናብን ከይንቀሳቐሱ መጠንቀቕታ ይውሕዝ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ቻይና ሰፊሕ ንግዳዊ ንጥፈታትን ወፍሪ ህንጸት ትሕተ ቕርጺን ዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ በዚ ሕማም እዚ ኣዝየን ተሻቒለን ኣለዋ።

ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ኬንያ፣ ዩጋንዳን ሱዳንን ብትምህርቲ ኮነ ብንግድ ናብ ቻይና ዝገሹ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተማሃሮ እውን ኣብ ዩኒቨርሲታት ቻይና ኣብ ትምህርቲ ወፊሮም ይርከቡ።

ኣብ 2018 መንግስቲ ቻይና ንአስታት 800 ተማሃሮ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ስልጠና ዕድል ምሃቡ ካብ ሚኒስትሪ ንግዲ ቻይና ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ንዝመሃሩ ኢትዮጵያውያን ኣዘራሪብና ኣለና።

Presentational grey line

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶንጂ፡ ካልኣይ ዲግሪ ምህንድስና ዝመሃር ዘሎ ባዩ ኣቡሃይ ፡ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ መዓልታዊ ምንቅስቓሱ ከምዝተዓናቐፈ ይገልጽ።

እዚ እዋን ሓዲሽ ዓመት ቻይና ዝኽበረሉ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ተምሃሮ ነናብ ገዝኦም ከምዝኸዱን፡ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ተምሃሮን ጥራይ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ምህላዎም ይሕብር።

ብሓለፍቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማምን ክግበር ዘለዎ ጥንቀቐን ኣመልኪቱ መዓልታዊ ሓበሬታ ስለዝወሃቦም ክሳብ ሐዚ ዘስግእ ኩነታት ከምዘየለ ተምሃራይ ባዩ ይዛረብ።

እንተኾነ እቶም ንዕረፍቲ ወጺኦም ዘለዉ ተምሃሮ ምስተመልሱ ግን እኹል ጥንቃቕ እንተዘይተገይሩ ኣስጋኢ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።

ብተወሳኺ ንደገ ከይወጽኡ ጥቡቕ ሓለዋ ከምዝግበረሎምን ብኣብዝሓ ናብ መመገቢ ክፍሊ እንተዘይኮይኑ፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ መደቀሲኦም ከምዘሕልፍዎ ይዛረብ።

Presentational grey line

መንግስት ምናለ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሾንጂ፡ ናይ ከባቢ ሳይንስ ዶክትሬት ተምሃራይ እዩ።

ንሱ፡ ንግዳዊ ትካላት እታ ከተማ ስለዝተዓጸዉን ምንቅስቓሳት ነክዩ ስለዘሎን፡ እቲ ኩነታት "ከበድን ዘፍርሕን" ክብል ይገልጾ።

ኣብቲ ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ ካልኦት ውሑዳት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከምዘለዉ ዝገልጽ መንግስት፡ ካብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምውጻእ ስለዘይከኣል ዘለዉዎ ኩነታት "ኣጸጋሚ እዩ" ይብል።

ብተወሳኺ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ መሸጢ ምግቢ፡ ብዙሕ ሰብ ብዘይ ምህላዉ ዘቕርቦም ዓይነታት ምግቢ ውሑዳት ምዃኖምን፡ ክውዳእ ከምዝኽእልን ብምግላጽ እቲ ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦ ይሕብር።