ኣብ ኬንያ ሓደ ሰብ ብኮሮና ቫይረስ ተጠርጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዛጊት ልዕሊ 100 ሰባት ንላዕሊ ዝቐተለን ካብ ቻይና ነቒሉ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብፍጥነት ዝላባዕ ዘሎን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ኬንያ ተራእዩ።
በቲ ሕማም ዝተጠርጠረ እዚ ኬንያዊ ንበይኑ ተፈልዩ ፍሉይ መርመራ እናተገበረሉ ይርከብ።
ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝመሳሳል ምልክት ዝተርአዮ እዚ ኬንያዊ፤ ንትምህርቲ ኣብ ቻይና ቐንዩ ከምዝተመለሰ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ተምሃራይ ካብ ቻይና ምስተመልሰ ናይዚ ቐታሊን ሓደገኛን ሕማም ምልክታት ምስተርአዩዎ ብቐጥታ እዩ፡ ኣብታ ርእሰ ከተማ ናብ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆስፒታል ተወሲዱ ምርመራ ተገይርሉ።
ናይቲ ሆስፒታል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ጥርጡር ተምሃራይ ጓንግዡ ካብ ዝተብሃለት ግዝኣት ቻይና ተበጊሱ ሎሚ ብመንገዲ ኣየር ኬንያ ኣቢሉ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ በጺሑ።
ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ እቲ ውልቀሰብ ዝኾነ ዘጠራጥር ምልክት ምስተርአዮ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ኣብ ኣፍሪቃ በቲ ቫይረስ ዝተጠርጠረ ሰብ ካልኣይ ሰብ እዩ ተባሂሉ። ኣብ ኬንያ ግን ንፈለማ እዋን እዩ።
እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሚኒስተር ሓለዋ ጥዕና ኬንያ ዝሃቦ መግለጺ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







