ኣውስትራልያ 85 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ 19 ንምርካብ ተፈራሪማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውስትራልያ፡ እቶም ዓቢ ተስፋ ተገይርሎም ዘሎ ክልተ ፈተነታት ክታበት ኮቪድ 19 ዕውታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ብውሕዱ 85 ሚልዮን ብልቃጥ ከምዘፍረየት ኣፍሊጣ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሮስ እቲ ክታበት ዕውት ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ሃገሩ ኣብ 2021፡ 85 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትርከብ ዘኽእል ክልተ ውዕላት ከምዝተፈራረመት ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሪሶን፡ ሃገሩ ዝተፈራረመቶ ውዕል ኣስታት 1.24 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝግመት ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒሰትር፡ 25 ሚልዮን ኣውስትራላውያን ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ክታበት ክውሃቦም ክጅምር ትጽቢቱ ብምግላጽ፡ ኣብ ጥሪ ክጅምር’ዩ ኣብ ዝብል ግን ዝኾነ ‘ውሕስነት’ የለን ኢሉ።
ብምስዓብ “እንተኾነ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ሃገርና ነቲ መድሃኒት ብቕዓቱ እንተኣረጋጊጸምዎ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ንኣውስትራልያ ኣብ ቀዳማይ ሪጋ ዘስርዓ እዩ” ኢሉ።
እቲ ኣውስትራልያ ተፈራሪማትሉ ዘላ ኣብ ፈተነ ዘሎ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ሓደ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድን መፍረ መድሃኒት ኣስትራዘናካን ተላፊነን ዝሰርሐኦ ዘለዋ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዩኒቨርስተ ኵይንስላንድ ዝፍተን ዘሎ እዩ።
ኣውስትራልያ ልዕሊ 26 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ዜጋታት ክህልውዋ እንከለዉ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክሳብ ሎሚ ሞት 769 ተመዝጊቡ’ሎ።
ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣውስትራልያ ክፈሪ . . .
መግለጺ መንግስቲ ኣውስትራልያ፡ ዝበዝሐ ካብቲ ክታበት ኣብ ኣውስትራልያ ከምዝፈሪ እዩ ዘርኢ።
እታ ሃገር 33.8 ሚልዮን ብልቃጥ ካብ ኦክስፎርድ ዓዲ እንግሊዝ ክትርከብ ክትፈራረም እንከላ እቲ 51 ሚልዮን ብልቃጥ ድማ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኵይንስላንድ ክትርከቦ እያ ተፈራሪማ ዘላ።
ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንናይ ሰብ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምብራኽ ነቲ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክብ ንምባል ዓሊሙ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።
ዕውት ኮይኑ እንተተረኺቡ ድማ ኣብ ጥርን ለካቲትን በቲ ድሮ ኣዳልየዎ ዘሎ 3.8 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ከምዝጅምር ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ክታበት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ’ዩ በጺሑ ዘሎ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ 30 ሽሕ ሰባት ተፈቲኑ ኣሎ።
እቲ ኣብ ኣውስትራላያ ኣብ ዩኒቨርስተ ኵይንስላንድ ዝፍተን ዘሎ ድማ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ፈተነ ዝርከብ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ውሑዳት ሰባት ፈተነ ጀሚሩ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 140 ተስፋ ዝተነበረሎም ፈተነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ይካየዱ ኣለዉ፡ ካብኦም ልዕሊ ደርዘን ኣብ ሰብ ክፍትንዎ ጀሚሮም ኣለዉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







