ኮሮናቫይረስ፡ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ክትፈልጡዎም ዝግባእ ሓበሬታታት

መሸፈኒ ገጽ ዝገበረት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ 150 ሃገራት በጺሑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት፡ ሰባት መዓልታዊ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዘልዕሉዎም ሕቶታት ይውስኹ ኣለው።

ንሕና'ውን፡ ሕቶ ብዙሓት ንዝኾኑ ሓሪና መብርሂ ብምቕራብ ከምዚ ዝስዕብ ኣዳሊናዮ ኣለና።

Short presentational grey line

መሸፈኒ ገጽ፡ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ይጠቅም ድዩ?

መሸፈኒ ገጽ፡ እዚ ሕማም ኣብ ምክልኻል ዘለዎ ተራ ዝምልከት ዘሎ ሓበሬታ ድሩት'ዩ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝብሉዎ፡ ቀንዲ መከላኸሊ እዚ ለበዳ ውልቃዊ ጽርየትኻ ምሕላው እዩ።

ብፍላይ ድማ ኢድና ኣፍና፣ ኣፍንጫናን ዓይንናን ቅድሚ ምትንካፍና፡ ኢድና ብግቡእ ክንሕጸብ ኣለና ይብሉ።

እዚ ቫይረስ፡ ማዕጾ ብምትንካፍ ክመሓላለፍ ይክእል'ዩ፤ ንኽንደይ ዝኣክል ግ ኣብ ኢድና ይጸንሕ?

እቲ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ኢዱ ኣሀንጢሱ ወይ ስዒሉ፡ ናይ ማዕጾ መትሐዝን ካልኦት ነገራትን እንተተንኪፉ፡ እቲ ቫይረስ ናብቲ ዝተንከፎ ናውቲ ክሓልፍ ይኽእል።

ብፍላይ ድማ ማዕጾ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ስለ ዝተናኽፉዎ፡ ነዚ ሕማም ኣብ ምትሕልላፍ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

ሰብ ሞያ ከም ዝብሉዎ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ናውታት፡ ንመዓልታት ብህይወት ጸኒሑ ናብ ሰባት ክመሓላለፍ ይኽእል'ዩ።

ስለዚ፡ በዚ ሕማም ንከይንልከፍ፡ ኢድና ብኣግባቡ ክንሕጸብ ይግባእ።

ኮሮናቫይረስ ብስጋዊ ርክብ ይመሓላለፍ'ዶ?

ክሳብ ሕጂ፡ እዚ ሕማም ብስጋዊ ርክብ ይመሓላለፍ'ዶ ኣይመሓላለፍን ዝብል ኣይተፈልጠን።

ምስዓል፣ ምህንጣስን እቲ ቫይረስ ንዝዓረፈሎም ነገራት ምትንካፍን'ዮም መተሓላለፊ መገዲታት ተባሂሎም ዘለው።

ኣብ ንጎ ሰዓልን ኮሮናቫይረስን ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ'ዩ?

ክልቲኦም፡ ዘርእዩዎም ተመሳሰልቲ ምልክታት ስለዘለዉ፡ ብቐሊሉ ንምፍላይን ንምምርማርን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ኮሮናቫይረስ ካብ ሰዓል ንምፍላይ፡ ኣብቶም ምልክታቱ ከነተኩር ይግባእ፤ ረስንን ሓያል ደረቕ ሰዓልን እንተኾይኑ ንኮሮናቫይረስ ጠርጥሩ።

ሰዓል ግን፡ ናይ ጎሮሮ ሕማም ሓዊሱ ካልኦት ምልክታት ዘርኢ ኮይኑ፡ ኮሮናቫይረስ ድማ ሕጽረት ምስትንፋስ የስዕብ።

ኮሮናቫይረስ ካብ ሰዓል ዝያዳ ድዩ ዝመሓላለፍ?

ክልቲኦም ሕማማት ንምንጽጻር ግዚኡ ገና'ኳ እንተኾነ፡ ክልቲኦም ቫይረሳት ግን ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኣለዎም።

ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ፡ ብማእከላይ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ከሕልፍ ይኽእል፤ ሰዓል ዝሓዞ ሰብ ግን እቲ ሕማም ናብ ሓደ ሰብ ጥራሕ'ዩ ከሕልፍ ተኽእሎ ዘለዎ።

ክልቲኦም ግን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍሉ መገዲ ቀሊል'ዩ።

ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ሰብ ብዘዳለዎ መግቢ ኸ ይሓልፍ ዶ?

ሕማም ኮሮናቫይረስ ዘለዎ ሰብ መግቢ እንተዳሉ፡ ግቡእ ናይ ጽርየት ጥንቃቐ እንድሕር ዘይገይሩ፡ ናብ ካልእ ሰብ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኡ ዝለዓለ'ዩ።

ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት፡ መግቢ ቅድሚ ምድላውና ኾነ ቅድሚ ምምጋብና ኢድና ብማይን ሳሙናን ክንሕጸብ ይግባእ።

ውልቃውን ከባብያውን ጽርት ምሕላው እቲ ሕማም ንምክልኻል ዓብዪ ተራ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ውልቃውን ከባብያውን ጽርት ምሕላው እቲ ሕማም ንምክልኻል ዓብዪ ተራ ኣለዎ

እዚ ሕማም ኣብ ዝተኸሰተሎም ሃገራት ዝነብሩ ሰባት፡ በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ዕድሎም ንምንካይ፡ ምስ ሰብ ዝህሉ ምትንኻፍ ክንክዩ ይመዓድ።

ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተናኽፉዎም ነገራት ካብ ምትንካፍ እውን ክቑጠቡ ኣለዎም፤ ጎና ጎኒ ድማ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ ወይ ድማ ፈሳሲ መሐለዊ ንጽህና [ሳኒታይዘር] ብምጥቃም ኢድካ ምጽራይ።

ብተወሳኺ፡ ምስ ዝስዕሉን ዘሀንጥሱን ከምኡ'ውን ረስኒ ምስ ዘለዎም ሰባት ዝህልወኩም ቅርበትን ምትንኻፍን ምውጋድ'ውን በቲ ቫይረስ ናይ ምትሓዝ ዕድል ክንኪ ይኽእል'ዩ።

በብግዝኡ ዝህሉ ለውጢ ኩነታት ኣየር፡ እቲ ሕማም ኣብ ምግፋሕ ዝህልዎ ጽልዋ ዝምልከት ግን ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ከም ሰዓል ዝበሉ ቫይረሳት፡ ዝለዋወጥ ኩነታት ኣየር ስዒቦም ዝመጽኡ'ኳ እንተኾኑ ንኮሮናቫይረስ ዝምልከት ግን እዚ'ዩ ዝብሃል ዝተረጋገጸ መረዳእታ የለን።

ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ 'መርስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ቫይረስ፡ እቲ ሕማም ዋዒ እንትህሉ ብሰፊሑ ናይ ምርኣይ ባህሪ ከም ዘለዎ ይግለጽ።