ሩስያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ረኺበ ምስበለት ንማሕበራዊ ሚድያ ዘዕለቕለቑ ስኑዓት ሓበሬታታት

ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሩስያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ዝሰርሐትን ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቓድ ከም ዝረኸበን ድሕሪ ምግላጻ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ኣብቲ መድሃኒት ዘለዎ ጥርጣረን ስክፍታታትን ክገልጽ ቀንዩ እዩ፡፡

እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን፤ ዘስሕቑን ስኑዕ ሓበሬታ ዝሓዙን ስእልታትን ጽሑትን ንማሕበራዊ ሜድያ ኣዕለቕሊቖምዎ እዮም፡፡

ሰባት ብበዝሒ ካብ ዝዘርግሕዎዎም ጽሑፋት ገሊኦም ዝስዕቡ'ዮም። ፑቲን ከም ጅግና

ሩስያ ብዛዕባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምስ ሓበረት፡ ዘስሕቕ ትሕዝቶ ዘለዎም ስእልታትን ጽሑፋትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተዘርጊሖም እዮም።

ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝባኑ ዓብዪ መርፍእ ሕክምና ሓዚሉ፡ ድቢ እናጋለበ ዘርኢ ምስሊ ካብቶም ብዙሓት ሰባት ዝዘርግሕዎም ስእልታት ሓደ እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ናይዚ ምስሊ ቅዳሕ ኣብ ገጹ ከም ዝጠቅዐ ዝገልጽ ካሊእ ጽሑፍ'ውን ተራእዩ ነይሩ፤ እንተኾነ እቲ ሓበሬታ ስኑዕ እዩ።

ድቢ እናጋለበ ዘርኢ ምስሊ

ካሊእ ብሽም ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝተኸፈተ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዝተጠቅዐ ሓበሬታ ኮይኑ፡ ሩስያ ዝሰርሐቶ ክታበት ፍቓድ ክረክብ ምዃኑ ዝገልጽ ጽሑፍ'ዩ።

እዚ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ኣባጺሖምዎ እዮም።

እቲ ገጽ ግን ዕላዊ ናይ ፑቲን ፌስቡክ ኣይኮነን፤ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ግን ናቱ መሲልዎም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ርእይቶኦም ገሊጾምሉ እዮም።

እቲ ጽሑፍ፡ ፈላመይቲ ሳተላይት ናብ ጠፈር ዝለኣኸት ሃገር ብምዃን ''ደቂ ሰባት ናብ ህዋ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዝጸረገት ሩስያ'' ሕጂ'ውን በቲ ዝረኸበቶ ክታበት ንሰባት ''ኮሮናቫይረስ፣ ማስክን ምርሕሓቕን ዘይብሉ ጽባሕ ንምፍጣር መንገዲ ከም ዝጸረገት'' ይገልጽ።

ናይቲ መድሃኒት ውሑስ ምዃን ብዝምልከት ዓለማዊ ጥርጣረታት እናዛየደ ብምምጽኡ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሩስያ ዓለምለኻዊ መምርሒታት ክትኽተል ተማሕጺኑ እዩ፡፡

ስኑዕ ጽሑፍ

ዝተጋነኑ ሓበሬታታት

''ሩስያ ብዝሰርሐቶም ክታበታት ብተደጋጋሚ ንዓለም ኣድሒና እያ'' ዝብል እውን ካሊእ ብስፍሓት ዝተርኣየ ጽሑፍ እዩ፡፡

እቲ ጽሑፍ ኮሌራን ፖሊዮን ሓዊሱ ሩስያ ''ምሂዛቶም'' ዝበሎም መድሃኒታት ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ በዓል ሞያ ምቁጽጻር ሕማማትን ታሪኽ ድሕረ ኲናትን ዶ/ር ዶራ ቫርጋ ግን እዚ ሓበሬታ ''አዐርዩ ዝተጋነነ እዩ'' ኢላ።

ዝተጋነኑ ሓበሬታታት

ክታበት ንደርሁ ዘጥቕዕ ሕማም ኮሌራ ዝመሃዘ: ፈረንሳዊ ተመራማራይ ሉዊስ ፓስቱር ኮይኑ ስጳኛዊ ጄሚ ፈራን ድማ ንፈለማ እዋን ሰባት ኮሌራ ዝከላኸልሉ ዓቕሚ ዝፈጥር ክታበት ሰሪሑ፡፡

ኣመሪካዊ ተመራማሪ ቫይረስ፡ ዶክተር ጆናስ ሳልክ ፈላማይ ውጽኢታዊ መድሓኒት ፖሊዮ ብ1955 እንተማዕል እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ብኣፍ ዝውሰድ ክታበት ድማ ኣመሪካዊ ዶክተር ኣልበርት ሳቢንን ሩስያዊ ሚካኤል ቹማኮቭን ብሓባር ዝሰርሕዎ እዩ፡፡

ስለዚ፡ ውጽኢት ሓበራዊ ጻዕሪ ሩስያን ኣመሪካን እምበር ናይ ሩስያ በይና ኣይኮነን ትብል ዶክተር ቫርጋ።

ሚድያታት ሩስያ፡ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ብምዕራባውያን ዝቐርብ ዘሎ ጥርጣረታት፡ ''ቅንኢ ዝወለዶ'' ከም ዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝፍጸም ናይ ''ሓበሬታ መጥቃዕቲ'' ከም ዝኾነን ይገልጻ፡፡

ፕረዚደንት ፑቲን ''ኣፍረይቲ መድሃኒት እቲ ክታበት ቀልጢፍና ከይንሰዶ ሓቲተናና፤ እዚ ግን ብዛዕባ ስነ-ቁጠባ ኣይኮነን፡፡ ናይ ሚልዮናት ኣህዛብ ህይወት ኣብ ሓደጋ እናሃለወ ሩስያ ብዛዕባ ገንዘብ ኣይትሓስብን'' ኢሉ ከም ዝተዛረበ ዝገልጽ ብቋንቋ ጥልያን ዝተጽሓፈ ጽሑፍ ድማ ልዕሊ 35 ሽሕ ሰባት ኣባጺሖምዎምን ርእይቶ ሂቦምሉን እዮም፡፡

እዚ ጽሑፍ ግን ኣብ ሚድያታት ሩስያ ይኹን ኣብ ካልኦት ኣይተርኣየን፡፡

ምናልባት ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ናይ ፌስቡክ ገጽ ደገፍቲ ፑቲን ተወሲዱ ብጌጋ ዝተተርጎመ ክኸውን ይኽእል፡፡

ካልኦት ጽሑፋት ድማ ኣብታ ክታበት ኮሮናቫይረስ ወሲዳ ዝተብሃለት ጓል ቭላድሚር ፑቲን ዘተኩሩ እዮም ነይሮም፡፡

ጓል ፑቲን ኣይኮነትን

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነቲ መድሃኒት ዝወሰደት ጓሉ ንሓጺር ግዘ ዝጸንሐ ልዑል ዋዒ ሰብነት ከም ዝተርኣያን እዚ ከም ጎናዊ ሳዕቤን እቲ መድሃኒት ምዃኑን ተዛሪቡ እምበር፡ ነቲ መድሃኒት ዝወሰደት ጓሉ መን ምዃና ኣይገለጸን፡፡

ኣብ ህንዲ ግና ጓል ፕረዚደንት ፑቲን መድሃኒት ክትወስድ ዘርኢ ዝተብሃለ ቪድዮ ብስፍሓት ክዘውር ቀንዩ።

እታ ኣብ ፈተነ ክታበት እቲ ቫይረስ ዝተሳተፈት ጎርዞ ግን ጓል ቭላድሚር ፑቲን ዘይኮነትስ ሰልጣኒት ወታሃደራዊ ክፍሊ ሕክምና ከም ዝኾነት እየን ማዕከናት ዜና ሩስያ ዝሓበራ፡፡

ኮሮና