ኮሮናቫይረስ፡ ኣውስትራሊያ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብናጻ ክህብ'የ ኢላ

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSITY OF OXFORD
ኣውስትራልያ፡ ንህዝባ ክታበት ኮቪድ-19 ብናጻ ከም እትህብ ኣፍሊጣ።
እታ ሃገር ንኣስታት 25 ሚልዮን ዝህቢ ብናጻ እተቕርቦ ክታበት ካብ ኢንግሊዝ እያ ክትረኽቦ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፈተነ ካብ ዘለው ክታበታት ልዑል ተስፋ ዝተገብረሉ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝፈሪ ዘሎ ክታበት'ዩ።
እዚ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ክሊኒካል ፈተነ ዝርከብ ኮይኑ ውጽኢታዊ እንተኾይኑ፡ ኣቐዲማ ንምዕዳግ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ከም ዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ተዛሪቡ።
ኣብ ኣውስትራልያ፡ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 450 በጺሑ ኣሎ። ቪክቶሪያ ከኣ ብዝኸፍአ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ግዝኣት እያ።
በዚ ምኽንያት ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ተገድድ ነይራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ኣስታት 7 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ይግለጽ። መዓልታዊ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ግን ይንኪ ኣሎ።
ካብዚ ብዝብገስ ኣውስትራልያ ሙሉእ ህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንክረክብ ክንደይ ዝኣክል ወጻኢ የድልያ ዝብል ገና ኣይተፈለጠን።
ኩሉ ዜጋ ነዚ ክታበት ንክወስድ ከም ዝግደድ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ፖሊሲ ይሕንጽጽ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ንሓደ መደበር ሬድዮ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ግና፡ "ብዝተፈለየ ናይ ጥዕና ጉዳይ ነዚ ክታበት ክወስዱ ዘይግደዱ ክህልው'ዮም" ዝብል ኣፋፍኖት ሂቡ ኣሎ።
ብውሑድ ግን 95 ሚእታዊት ዜጋታት ክኽተቡ ከም ዝተሓሰበ ኣይሓብአን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







