ኮሮናቫይረስ፡ ኣውስትራሊያ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብናጻ ክህብ'የ ኢላ

ምርምር ክታበት

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSITY OF OXFORD

ኣውስትራልያ፡ ንህዝባ ክታበት ኮቪድ-19 ብናጻ ከም እትህብ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ንኣስታት 25 ሚልዮን ዝህቢ ብናጻ እተቕርቦ ክታበት ካብ ኢንግሊዝ እያ ክትረኽቦ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፈተነ ካብ ዘለው ክታበታት ልዑል ተስፋ ዝተገብረሉ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝፈሪ ዘሎ ክታበት'ዩ።

እዚ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ክሊኒካል ፈተነ ዝርከብ ኮይኑ ውጽኢታዊ እንተኾይኑ፡ ኣቐዲማ ንምዕዳግ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ከም ዘላ ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ተዛሪቡ።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 450 በጺሑ ኣሎ። ቪክቶሪያ ከኣ ብዝኸፍአ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዐት ግዝኣት እያ።

በዚ ምኽንያት ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ተገድድ ነይራ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ኣስታት 7 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ይግለጽ። መዓልታዊ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ግን ይንኪ ኣሎ።

ካብዚ ብዝብገስ ኣውስትራልያ ሙሉእ ህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንክረክብ ክንደይ ዝኣክል ወጻኢ የድልያ ዝብል ገና ኣይተፈለጠን።

ኩሉ ዜጋ ነዚ ክታበት ንክወስድ ከም ዝግደድ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ፖሊሲ ይሕንጽጽ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ንሓደ መደበር ሬድዮ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ግና፡ "ብዝተፈለየ ናይ ጥዕና ጉዳይ ነዚ ክታበት ክወስዱ ዘይግደዱ ክህልው'ዮም" ዝብል ኣፋፍኖት ሂቡ ኣሎ።

ብውሑድ ግን 95 ሚእታዊት ዜጋታት ክኽተቡ ከም ዝተሓሰበ ኣይሓብአን።

ኮሮና