ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህጻናት ኣገደስቲ ዓለም ዝበሃሉ ዓይነታት ክታበት ከምዘይተኸተቡ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣስታት 14 ሚልዮን ህጻናት ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕማማት ኣብ ምክልኻል ኣገደስቲ ዝበሃሉ ዓይነታት ክታበታት ከም ዘይተኸተቡ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ኣመልኪቱ።
ዶክተር ሮቢን ናንዲ ካብ ዩኒሴፍ ከም ዝሓበሮ፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኮይኖም ብዝያዳ ዝተጸለዉ ድማ ኣብተን ጎንጽታት ዝረኣየለን ሃገራት ዘለዉ ህጻናት እዮም።
"ገለ ካብቶም ህጻናት ዘይተኸተብዎም ዓይነታት ክታበት ናይ ኣልምሲ (ፖልዮ)፣ ንፍዮ፣ ሕማም ኣንቅጺ፣ ዲፍተርያ [ተመሓላላፊ ዓይነት ሕማም ጎሮሮ]፣ ተታነስን ተኽተኽታን እዮም" ኢሉ።
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ክታበት ንፍዮ ዘይወሰዱ ህጻናት ምህላዎ ከም ዘተሓሳስብ እቲ ዶክተር ተዛሪቡ።
ኣብ ገጠራትን ሻውላት [ኣብ ውሽጢ ከተማ ድኻታት ብጻዕቒ ዝነብሩሎም ቦታታት]ን ዝርከቡ ህጻናት ከኣ ብዝያዳ ተቓላዕቲ ከም ዝኾኑ ኣረዲኡ።
እቶም ኣገደስቲ ዓይነታት ክታበት ዘይተኸተቡ ህጻናት ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ዓለም ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ።
ምስ ኢትዮጵያ ድማ ናይጀርያ፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ቻድ፣ ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን ደቡብ ሱዳንን ተሰሪዐን ኣለዋ።
ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጽሪ እቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ዓይነታት ክታበት ዘይወሰዱ ህጻናት ብዝያዳ ክውስኽ ከምዝኽእል እቲ ጻብጻበ ኣመልኪቱ'ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







