ህፃናት ናይጄርያ ንሕማም ንፍዮ ተቓሊዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናይጄርያ ልዑል በዝሒ ህፃናት ኣለዋ። ካብ 20 ሚልዮን ጠቕላላ ብዝሒ ህፃናት ዓለም እቶም 3 ሚልየን ህፃናት ኣብ ናይጄርያ ይርከቡ። እዞም ህፃናት ክታበት ሕማም ንፍዮ ከምዘይወሰዱ ድማ ሓድሽ ሓበሬታ ጥዕና የመላኽት።
ክልተ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያን ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን እውን፡ ብርክት ዝበሉ ክታበት ንፍዮ ዘይተኸተቡ ህፃናት ዘለዉወን ተባሂለን ተገሊፀን።
እዚ ሓድሽ ፀብፃብ ጥዕና መጺኡ ዘሎ፡ ብዝተኻኣለ መጠን፡ ሓጋይ ቅድሚ ምእታዉ፡ ሕማም ንፍዯ ንምቁፅፃር እዩ። ኣብ ናይጄርያ ካብ ሕዳር ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ ሕማም ንፍዮ ዝላባዓሉ ግዜ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣስታት 3,000 ተርእዮታት ሕማም ንፍዮ ከምዝነበሩ ተገሊፁ እዩ።
ኣብቲ ዞባ ኣስታት 7 ሚልየን ህዝቢ ሓገዝ ጥዕና ዘድልዮ'ኳ እንተኾነ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ግን ብተደጋጋሚ ብዘጋጥሙ ጎንፅታት ዝተሃስዩ እዮም፡
ነዚ ፀብፃብ ዘዳለዉ፡ ትካላት ማእኸል ምክልኻል ሕማማት ንፍዮን ቆርበትን፣ ዩኒሴፍን ውድብ ጥዕና ዓለምን፡ ነድሪ ሳምቡእ፣ ተቕማጥን ዕውራንን ህፃናት ንከቢድ ሕማምን ሞትን ካብ ዘቃልዑ ተላበድቲ ሕማማት ብምባል ሰሪዖሙዎም ኣለው።
ኣብ መጀመርያ ዓመት 2017ተደጋጋሚ ጎንፅታት ኣብ ዝካተኻየደለን ከባብታት ናይጄርያ፡ ካብ 10 ወርሒ ክሳብ 10 ዓመት ንዝዕድሚኦም ልዕሊ 4 ሚልየን ህፃናት ወፍሪ ክታበት ተኻይዱ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







