ዴ.ሪ. ኮንጎ፡ በቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ዝተበሃለ ለበዳ ንፍዮ ልዕሊ 6 ሽሕ ሰባት ሞይቶም

ክታበት ንፍዮ ንምሃብ ዝተዳለወት ነርስ - ሴኔጋል

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

ቁጽሪ ኣብ ዴሞክረሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብለበዳ ንፍዮ ዝሞቱ ሰባት ካብ 6 ሽሕ ከምዝዛየደ ትካል ጥዕና ዓለም [WHO] ኣፍሊጡ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየን ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎን ከምዝኾነ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብ መእተዊ 2019 ጀሚሩ፡ ኣስታት 310 ሽሕ ጥርጡራት ሕማም ንፍዮ ከምዝተለለዩ መግለጺ ትካል ጥዕና ዓለም የመልክት።

መንግስቲ ኮንጎን ትካል ጥዕና ዓለምን ካብ ዝሓለፈ መስከረም ጀሚሮም ህጹጽ ፕሮግራም ክታበት የካይዱ'ለው።

ኣብ 2019 ጥራይ ልዕሊ 18 ሚልዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት'ታ ሃገር ተኸቲቦም።

ዝደኸመ መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ-ቅርጺ)፣ ኣብ ልዕሊ ኬላታት ጥዕና ዝፍጸም መጥቃዕትን ጸገም ቀጻሊ ዝኾነ ክንክን ጥዕናን፡ ምልባዕ እቲ ሕማም ንምቁጽጻር ንዝግበር ጻዕሪ የተኣጓጉሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ለበዳ ከምዘጋጠመ ካብ ዝተኣወጀሉ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ኩለን 26 ግዝኣታት ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ሕማም ንፍዮ ተራእዩ'ሎ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ንፍዮ፡ ካብ ኢቦላ ክልተ ዕጽፊ ዝዛይድ ብዝሒ ሰባት ቀቲሉ።

"ነዚ ለበዳ ክንቆጻጸሮ ክንድዝኸኣልናዮ ንሰርሕ ኣለና" ዝበለት ዳይሬክተር ኣፍሪቃ ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ማሺዲሶ ሞቲ፡ ለገስቲ ቅልጡፍ ሓገዝ ክገብሩ ጸዊዓ።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ እቲ ክታበት ካብ 6 ክሳብ 14 ዓመት ንዘለዉ ህጻናት'ውን ንምብጻሕ ተወሳኺ 40 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልይ ኣፍሊጡ'ሎ።