ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ብለበዳ ሕማም ንፍዮ ኣሰታት 5 ሽሕ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ሞይቶም። እቲ ሕማም ኣብ ኩለን ዞባታት እታ ሃገር ከም ዝተራእየ ከኣ ሰብመዚ ጥዕና ሓቢሮም።
ርብዒ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር'ውን ብሕማም ንፍዮ ተለኺፎም ኣለው።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ ዓለም ዝዓበየን፡ ቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ክብል ገሊጽዎ።
ሕማም ንፍዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ኣዋርሕ ጥራይ፡ ክልተ ዕጽፊ ናይቶም ብኢቦላ ዝሞቱ ሰባት ምቕታሉ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም።
መንግስቲ ኮንጎን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን፡ ነቲ ለበዳ ንምቑጽጻር፡ ካብ መስከርም ጀሚሮም ንልዕሊ ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ቖልዑት ክታበት ክህቡ ጀሚሮም ኣለው።
እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ድኹም ትሕተ-ቅርጽን፤ ኣብ ማእከላት ጥዕና ዘጋጥም ዘሎ መጥቃዕትን ከምቲ ዝድለ ክቆጻጸርዎ ኣይከኣሉን።
ዝበዝሑ በቲ ሕማም ተጠቒዖም ዘለው ከኣ ሕጻናት እዮም።
ሕማም ንፍዮ እንታይ እዩ?
ሕማም ንፍዮ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ሕማም ኮይኑ፡ ልዑል ረስኒ ኣካላት፡ ሰዓል፡ ነድሪ ሽፋን ዓይኒ፡ ቍጥዐ ቈርበትን ካልእን ዝኣመሰሉ ምልክታት ኣለዎ።
ዝበዝሑ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ሕማም ይሓውዩ እዮም። ይኹን እምበር እቲ ሕማም ከም ከፊላዊ ነድሪ ሳንቡእ (ኒሞኒያ) ከምኡ'ውን ነድሪ ናይ ሓንጎል ዝኣመሰለ ነባሪ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከስዕብ ከምዝኽእል ኪኢላታት ሕክምና ይሕብሩ።
ብደረጃ ዓለም ኣብ ዓመት፡ ኣስታት ሚእትን ዓሰርተን ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







