ኢቦላ ንምንታይ ዳግማይ ተላዒሉ?

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ሞንሮቭያ 2014

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኢቦላ ዳግማይ ተራእዩ። እንተኾን እዚ ሕማም ብኸመይን ምዓስን ዳግማይ ክመጽእ ይኽእል ምግማት ኣጸጋሚ'ዩ።

እዚ ቫይረስ ኢቦላ ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ እትረከብ ቢኮሮ ትብሃል ከተማ'ዩ ተራእዩ። ኣቕዲሙ ኣብ ምዕራብ ኣፈሪቓ ሂወት ዓሰረት ሓደ ሽሕ ሰባት ክቐዝፍ እንከሎ፡ ካልኦት ዕስራን ሸሞንተን ሽሕ በቲ ቫይረስ ምልካፎም ናይ ቐርባ ኣሰንባዲ ተዘክሮ እዩ።

ኣብዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ፡ ኣብ ውሽጢ ክልት ኣዋርሕ ፡ ዋላ እኳ ካብቶም ዝሞቱ ክልት ጥራይ በቲ ቫይረስ ከምዝመቱ ይረጋገጽ ፡ እቶም ዝሞቱ 18 ሓዊሰካ ኣስታት ሰላሳ ዝኾኑ በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ከይኮኑ ዝተጠርጠሩ ኣለዉ።

ኢቦላ ንምንታይ'ዩ ዳግማይ ተላዒሉ? እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ዘሕዝን ክስተት ዳግማይ ነኸየጋጥም እንታይ ይግበር ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታት ኣዘራረብቲ ኮይኖም ኣለዉ።

ንምንታይ'ዩ ኢቦላ ካብ ቁጽጽረ ወጻኢ ኮይኑ?

ቫይረስ ኢቦላ፡ ካብቲ በቲ ቫይረስ ዝተተሓዘ ሰብ ዝወጽእ ፈሳሲ ዋላ ዝውሓደ ይኹን ፡ ናይ ምትሕለላፍ ተኽእሎ ሰለዘለዎ ነቲ ናይ ምቑጽጻሩ መስርሕ ኣፀጋሚ ይገብሮ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኢቦላ ዝተራየላ ቢኮሮ ፡ ዕምረቲ ናይ ዕዳጋ ከተማ ብምዃናን ፡ ብቀንዲ ኣፍላጋት ዝተኸበበት ብምዃናን ብዝያዳ ኣተክሮ ክትረክባ ካብ ዘገበሩ ምኽንያታት'ዮም።

ምኽንያቱ ፡ ዕሙር ምንቅስቃስ ኣብ ዘለዎ ዕዳጋ ፡ እቲ ቫይረስ ዝያዳ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ስለዘለዎ።

ኣብ 2014-2016 ኣብ ምዕራብ ኣፈሪቓ ዝተኸሰት ኢቦላ ፡ ካብ ሓንቲ ኣብ ጊኒ እትርከብ ንእሽተይ ዓዲ ዝጀመረ ኮይኑ ፡ እቲ ፈለማ በዚ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ዝተፈለጠ ወዲ ክልተ ዓመት ህጻን'ዩ።

እዚ ሕማም ኣብ ጎረባብቲ ጊኒ ዝኾና ሃገራት ሴራሊዮንን ላይቤሪያን ኣብ ከተማታተን ብቕልጡፍ ክላባዕ ተራእዩ'ዩ።

ዲሞክራቲክ ኮንጎ ካብዘን ሃገራት ኣሽሓት ማይላት ዳኣ ትርሓቕ'ምበር ፡ ካበዚ ሕማም ክትናግፍ ኣይሓገዛን።

ሓደ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝርክብ መሐክሚ ሕሙማት ኢቦላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ካብ ዘጋጠማ ዘሕዝን ኣጋጣሚታተ ኣብ 2017 ዳግማይ ምልዓል ኢቦላ'ዩ።

ቲ ቫይርስ ነጻ ዝኾኑ ሰባት

እቲ ቫይረስ ቅደሚ ሱር ምስዳዱ ፡ ሰባት በቲ ቫይረስ ከይትሓዙን ናብ ካልኦት ከይላባዕን ምግባር ይክኣል'ዩ። ብሓባርን ብውህደትን ተተሰሪሑ፡ ነቲ ሕማም ካብ ምልባዕ ምግታእ ይክኣል'ዩ።

ሰብ ሞያ ሕክምና ፡ ተመራመርቲ ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት እዚ ቫይረስ ኣብ ዘትራኣየሉ ከባቢ ኣበርክቶኦም የርእዩ ኣለዉ።

እቲ ቫይረስ ክምሓላለፈሎም ዝኽእል መገድታት ምፈላጥን ምፍላይን ቀዳምነት ዝሃብዎ ኮይኑ ፡ ብዝክኣሎም ዓቕሚ ካልእ ሰብ ብዚ ቫይረስ ከይትሓዝ ኣብ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ይርከቡ።

እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ክኣ ኣብ መደበር ጥዕና ግቡእ ሕክምናዊ ምክትታል ይረኽቡ ኣለዉ።

በጃ ኽዳንን በጃኢድን ( ጓንቲ ) ከምኡ'ውን ጋዎን ምልባስን ጥንቑቕ ኣካይዳ ምኽታልን ኣገዳስነቱ ዓቢ'ዩ።

ብተወሳኺ ፡ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ኢቦላ እኹል መረዳእታ ንኽህልዎ ፡ ምስዚ ሕማም ዝተኣሳሰር መረዳእታ ምስዘመሓላልፉ ኣካላት ሓበሬታ ምልውዋጥ ኣድላዪ ይኸውን።

ናይ ሕሙማት ደም ንተወሳኺ መርመራ ፡ኣብ ኪንሳሻ ናብ ዝርከብ ሃገራዊ ላባራቶሪ ምስዳዱ ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ሲራሊዮን ከተማ ፍሪታውን ብኢቦላ ዝሞት እናተቐበረ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, 2014-2016 ኣብ ምዕራብ ኣፈሪቓ ብሰንኪ ኢቦላ ኣሽሓት ሞይቶም'ዮም

ክታበተከ?

ክሳብ ሕጂ ኢቦላ ተራእይወን ዝተባሃላ ሓሙሽተ ዞባታት ክኾና እንከለዋ ፡ እቶም ዝሞቱ ግን ኣብ ዜር ትብሃል ዞባ ጥራይ'ዮም። ኣብዘን ዞባታት ንመሐለውታ ዝተዳለወ ክታብት ኣብ ሃንደበት ንዝኽሰቱ ተርእዮታት ይውዕል።

እዚ ክታበት ፡ ዋላ እኳ ኣብ 2016 ብመንግስታት እንግሊዝን ኖርወይን ደገፍ ይርከብ ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ክውዕል ክሳብ ሐጂ ምሉእ ደገፍ ኣይረኸበን ዘሎ። ይኹን'ምበር ፡ ሰባት ንኽጥቀሙሉ 300 ሽሕ ዝኽውን ንመሐለውታ ዝተዳለዉ ክታበት ኣሎ።

እቲ ክታበት በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ከይኮኑ ዝተጠርጠሩ ሕሙማትን ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሰብ ሞያ ሕክምናን ክወሃብ ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ምግባር ፡ ንሚኒስትሪ ጥዕና ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ እቲ እንኮ ኣማራጺ'ዩ።

መንግስቲ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ወላ እኳ ነዚ ዳግማይ ተላቢዑ ዘሎ ኢቦላ ንምቁጽጻረ ቅድም ምድላዋት ይግበር ፡ በይኑ ዝዓሞ ዕዮ ገዛ ስለዘይኮን ግን ፡ ካብ ኩሉ ወገን ህጹጽ ግብረ መልሲ ይጽበ።

ውድብ ጥዕና ዓለም "ኢቦላ ብቕልጡፍ ንኽጠፍእ ብምትስፋዉ ፡ ንዘጋጥሙና ጸገማት ሱር ከይሰደዱ ፡ ኣብ ዘለዉዎ ምግትኦም ይክኣል'ዩ" ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ'ሎ።