ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ንፍዮ ከምዘጋጠመ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር አፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኩለን ክልላት እታ ሃገር ለበዳ ንፍዮ ከምዝተርኣየ ንመራኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ምኽንያታት ክታበት ኣብ ምሃብ ምዝሕሓል ከምዝነበረ ሚንተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ተዛሪባ።
በቲ ለበዳ ዝተጠቕዑ መብዛሕቲኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ከምዝኾኑ ዝሓበረት ዶክተር ሊያ፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ፍርቂ ነቲ ክትባት ዘይወሰዱ ምዃኖም ኣፍሊጣ።
ብምኽንያት ሕጽረት ግንዛበ ስሩዕ ክታበታት ዘይምውሳድ፣ ክትባት ጀሚርካ ምቁራጽ፣ ኣብ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ዕድመ ህጻናት ዝወሃብ ክታባት ዘይምኽታብ ንምግፋሕ እቲ ሕማም ከም ምኽንያት ዘርዚራ።
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ኣብታ ሃገር ጠለብ አገልግሎት ሕክምና እናነከየ ብምግላጽ ድማ እዚ'ውን ከም ተወሳኺ ምኽንያት ኣቐሚጣ።
ዶክተር ሊያ ከምዝበለቶ ክሳብ ሕዚ 5.1 ሚልዮን ህጻናት ተኸቲቦም ኣለዉ።
ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ክታበት ዘይተጀመረለን ከባብታት'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምራ እየን ኢላ።
ዕድሚኦም ካብ ትሸዓተ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ህጻናት ዋላ ቅድሚ ሕዚ እንተተኸቲቦም፡ መሊሶም ክኸተቡ ከምዝግበር እታ ሚንስትር ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







