ኣብ ከተማ መቐለ 4 ኣባላት ስድራ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

ኣብ ትግራይ፡ ከተማ መቐለ፡ ዓዲ ሓቂ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣቦን ሰለስተ ደቁን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ተረጋጊጹ።
እቶም ስድራ፡ ናብ ካልእቲ ሃገር ዘይተጉዓዙ ከምኡ ድማ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዘ ሰብ ዝፍለጥ ርክብ ዘይብሎምን እዮም።
እዚ ድማ፡ ካብ መን ናብ መን ከምዝተመሓላለፈ ዘይፍለጥ ምልባዕ፡ ኣብ'ቲ ሕብረተሰብ ጀሚሩ ከይህሉ ሻቕሎት ፊጢሩ'ሎ።
ካብቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኣባላት ስድራ፡ እቲ ኣቦ፡ ነጋዳይ ምዃኑን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ከተማ ሓውዜን ገይሹ ምንባሩን ዝተፈለጠ ኾይኑ፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለን ሓውዜንን ምርመራታት ክገብር ምዃኑ ገሊጹ።
ምስቶም በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ሰባት ርክብ ንዝነበሮም እዩ እቲ መርመራ ክግበር።
ኣብ ትግራይ ዛጊት በዚ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምርመራ ዝተፈለጡ ሰባት ብዝሒ 228 ኮይኑ'ሎ።
ካብኣቶም፡ እቶም 131 ድማ ሓውዮም እዮም።
ብደረጃ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ሰባት 6564 በጺሑ።
ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግልጺ፡ ልዕሊ 3000 ምርመራታት ኣካይዱ፡ 178 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ሰባት ተረኺቦም እዮም።
ብሰንኪ እዚ ሕማም፡ ተወሰኽቲ 2 ሰባት ድማ ሞይቶም። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ዛጊት ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ 118 በጺሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







