ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ለበዳ ንፍዮ ብሰለስተ ዕፅፊ ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መፈለምታ ሰለስተ ወርሒ ዓመተ 2019፡ ኣብ ዓለም ዝተመዝገቡ ቁፅሪ ሕሙማት ንፍዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ምስ ዝተመዝገበ ኣሃዝ ክነጻጸር ከሎ ሰለስተ ዕፅፊ ከምዝወሰኸ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ሕዚ ዘለዉ መረዳእታታት እቲ ትካል ከምዘርእይዎ፡ ለበዳ ንፍዮ ኣብ መላእ ዓለም ክላባዕ ከምዝኽእል እዩ።
እዚ ለበዳ ኣብ ኣፍሪቃ ብ 700 ሚእታዊት እዩ ዓብዩ ዘሎ።
ትኽክለኛ ቁፅሪ በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ካብዚ ክበልፅ ከምዝኽእል እቲ ውድብ ሰግኣቱ ገሊጹ'ሎ።
ነዚ ከም ምኽንያት ኢሉ ዘቐመጦ ድማ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ 10 ብንፍዮ ዝሓመሙ ሰባት፡ ናይቲ ሓደ ሰብ ጥራሕ ስለዝፅብፀብ እዩ።
ንፍዮ ተመሓላላፊ ሕማም እንትኸውን፡ ሓደሓደ ግዘ ናብ ዝኸበደ ፀገም ጥዕና ከቃልዕ ይኽእል።
በዚ ለበዳ ኣዝየን ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ድማ ዩክሬን፣ ማዳጋስካርን ህንድን ይፅረሓ። ኣብ ማዳጋስካር ጥራሕ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ 800 ሰባት በዚ ሕማም ሞይቶም እዮም።
እዚ ሕማም ንብዙሓት ሰገናት ብራዚል፣ ፓኪስታንን የመንን እውን ኣጥቂዑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣሜሪካን ታይላንድን ብብዘሒ ክታበት ንምዝርጋሕ ይስራሕ ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ሕማም ንፍዮ ግቡእ ክታበት እንተድኣ ተዋሂቡ፡ "ክንከላኸሎ ንኽእል ሕማም ዋላ እኳ እንተኾነ ሕፅረት ክታበት ግና ኣሎ" ኢሉ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን መሳርሕቶም ንሲኤንኤን ከምዝሓበርዎ፡ ዓለም ኣብ ስግኣት ለበዳ ንፍዮ ትርከብ፤ ብዛዕባ እቲ ክታበት ዝወፅኡ ግጉያትን ነኒባዕሎም ዝጋጨዉን መረዳእታታትን ድማ ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ ተዛሪቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







