ሩሲያ፡ በቲ ዝረኸብኩዎ ክታበት ኮቪድ-19 'ዘሻቕል የብልኩምን' ትብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለም፡ ብዛዕባ ድሕነት እቲ ሩስያ ኣማዕቢለዮ ትብል ዘላ ክታበት ኮሮናቫይረስ ተርእዮ ዘላ ሻቕሎት ‘ብፍጹም መበገሲ ዘይብሉ ሻቕሎት’ዩ’ ብምባል ሩስያ ነጺጋቶ።
ሩስያ ነቲ ኣማዕቢላቶ ዘላ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰብ ምስ ፈተነቶ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ከም ክታበት ኮሮናቫይረስ ኮይኑ ክውዕል ብሰሉስ ፍቓድ ከም ዝተውሃቦ’ያ ትገልጽ።
ክኢላታት ግን ሓደ ሓድሽ ክታበት ክሓልፎ ዘለዎ መስርሓት ኣይሓለፈን ብምባል ስክፍትኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ንምኽሮም ተኸቲለን’ውን ብዙሓት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ክታበት ክጠራጠራ ጀሚረን።
ኣብ ጀርመን፤ ፈረንሳ፤ ስጳኛን ኣሜሪካን ዝርከቡ ተመራመርቲ’ውን ብዛዕባ እዚ ሩስያ ኣማዕቢለዮ ትብሎ ክታበት ጥንቃቐታት ክግብር ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ሚኒስትር ጥዕና ሩስያ ሚክሃይል ሙራሽኮ ብሮቡዕ ንማዕከን ዜና ኢነትርፋክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፤ “እዞም ሰባት ከምዝመስለኒ፡ ናይ ሩስያ ተወዳዳርነት ዝተሰመዖምን ዘሕመሞምን ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፤ እቲ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶ ከኣ ብፍጹም መበገሲ ዘይብሉ ሻቕሎት’ዩ” ኢሉ።
እቲ ሚኒስትር ብምስዓብ፡ እቲ ክታበት ኣብ ቀረብ ግዜ ድሉው ከም ዝኸውን ጠቂሱ።
ሚኒስተር ሚክሃይል ሙራሽኮ “እቲ ቀዳማይ ጥምሮ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝምጽእ ክልተ ሳምንታት ክንርከቦ ኢና፡ ንሱ ቀዳምንት ንዶኳትር እዩ ክውሃብ” ኢሉ።
ሰብ መዚ ሩስያ ህዝባዊ ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ከም ዝጅምሩ’ዩም ሓቢሮም ዘለዉ።
ፕረዚደንት ብላዳሚር ፑቲን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክታበት ኩሉ ዓይነት መስርሓት ከም ዝሓለፈ ብምሕባር፡ ጓሉ’ውን ብወለንታኣ እቲ ክታበት ከም ዝተውሃባ ጠቂሱ።
እንተኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ እዚ ስፑትኒክ-5 ዝተሰመየ ክታበት መስርሓቱ ንኽረአ ምስ ሰብ መዚ ሩስያ ይዘራረብ ምንባሩ’ዩ ጠቂሱ።
ስፑትኒክ-5
ስፑትኒክ-5 (Sputnik-V) ሩሲያ ነቲ ረኺበዮ እትብሎ ዘላ ክታበት ዘጠመቐቶ መጸውዒ ሽም እዩ። ስፑትኒክ ኣብ ዓለም ናብ ወርሒ ዝኸደት ፈላመይቲ ሳተላይት ሩሲያ እያ።
ስፑትኒክ ብቋንቋ ሩስኪ ሳተላይት ማለት እዩ።
ሩሲያ ሕጂ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሶቭየት ሕብረትን ዝነበረ ንሕንሕ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጅን ኣጽዋራት ኲናትን ክተዘኻኽር ዝደለየት ትመስል።
እዚ ክታበት ኮሮናቫይረስ ድማ ኣብ ሞንጎ እቶም ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ በጺሖም ዘለዉ ሽዱሽተ ፈተነታት ክታብት ኮሮናቫይረስ ኣይኮነን።
እዞም ብውድብ ጥዕና ዓለም ምክትታል እናተገበረሎም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ በጺሖም ዘለዉ ሽዱሽተ ፈተነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብዙሕ ሰብ ክፍተኑ’ዮም ዝጽበዩ ዘለዉ።
ዝኾነ ይኹን ክታበት ኣብ ረብሓ ቅድሚ ምውዓሉ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ክታበት ክበጽሕ ኣለዎ።
እዚ ማለት እቲ ክታበት ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ኣብ ዝምረጹ ውሑዳት ሰባት ምስተፈተነ ዘዕግብ ውጽኢት እንተርኢ ናብ ናይ መወዳእኣ ደረጃ ዝሓልፈሉ መስርሕ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደረጃ ክሊኒካል 100 ፈተነታት ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ቤተ ፈተነ ኣለው።
እንተኾነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክንዲ ዝቀልጠፈ ይቀልጥፍ ዝበዝሑ ተመራመርቲ ቅድሚ መፋርቅ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘይክል’ዮም ዝሕብሩ።
ክታበት ሩሲያ ብመን ፈርዩ?
እዚ ዓለም ዘዘራርብ ዘሎ ክታበት ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ጋማሊያ እዩ ኣፍርዩዎ።
እቲ ኢንስቲትዩት ከም ዝብሎ ድማ እቲ ክታበት ዘተኣማምን ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ዝህብ እዩ።
ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ "እኢ ክታበት ዘተኣማምን ከም ዝኾነ ይፈልጥ ነይረ'የ። ኩሎም ሳይንሳዊ መስርሓት ብዝግባእ ክሃልፍ ክኢሉ'ዩ" ይብል።
ተመራመርቲ ሩስያ፡ እቲ ክታበት ሰለስተ መድረኻት ፈተነ ከም ዝሓለፈን ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ውጽኢት ከም ዘርኣየን’ዮም ዝሕብሩ።
እቶም ተመራመርቲ ንሰዓል ዘማዕብል ኣድኖቫይረስ ዝተባሃለ ቫይረስ ብምርዓም’ዮም ተጻዋርነት ናይ ሰብ ከም ዝዓቢ ገይሮም።
እንተኾነ ንመድሃኒታት ሩስያ ዝከታተልን ፍቃድ ዝህብን ትካል ግን እዚ መድሃኒት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኣብ ብዙሓት ሰባት ከይተፈተነ ናብ መዓላ ክውዕል ፍቃድ ከም ዝሃቦ’ዩ ዝጥቀስ ዘሎ።
ክኢላታት፡ እዚ ሳልሳይ ደረጃ ወሳንን ኣዝዩ ኣገዳስን ምዃኑ’ዮም ዝጠቅሱ።
ሚኒስተር ጥዕና ሩስያ ሚክሃይል ሙራሽኮ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ክታበት “ልዑል ውጽኢት ዘርኣየን፡ ድሕነቱ ዝሓለወን’ዩ” ኢሉ እዩ ገሊጽዎ።
ሩስያ፡ ብዓባይ ብርጣንያ፤ ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ምርምራት ክትሰርቕ ድሌት ኣለዋ ዝብል ክሲ ቀሪቡላ ነይሩ’ዩ።
እቲ ግብረ መልሲ ከመይ ነይሩ?
ሩስያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ዝረኸበት ብወግዒ ምስ ሓበረት ካብ ሰብ መዚ ጥዕናን ማዕከናት ዜናን ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብዙሕ’ዩ ተባሂሉ።
ብሮቡዕ ሚኒሰትር ጥዕና ጀርመን፡ እቲ ክታበት ግቡእ መስረሓት ኣይሓለፈን ብምባል ዘለዎ ተቃውሞ ኣስሚዑ።
እቲ ሚኒስተር “ሚልዮናት ምኽታብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፤ ግቡእ መስርሓት ዘይሓለፈ ክታብት ኣብ መዓላ ምውዓል ክቀትል’ውን ይክኽል’ዩ” ኢሉ።
ብምስዓብ “በቲ ክኸዶ ዝግበኦ መስርሓት ስለ ዘይሓለፈ፡ እኹል መርመራ ኣይተገበረሉን። ኣብዚ ቀዳማይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምርካብ ከም ዛዕባ ክልዓል’ውን ዘለዎ ኣይኮነን፤ ቀዳምነት ክውሃቦ ዘለዎ ድሕነት’ዩ” ኢሉ።
ተመራመርቲ ፈረንሳ’ውን፡ “እንታይ መስርሓት’ዮም ተኸቲሎም ንፈልጦ ነገር የለን። ስለዚ ብታህዋኽ ናብ መዓላ ምውዓሉ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ” ኢሎም።
ላዕለዋይ ተመራማሪ ቫይረሳት ኣሜሪካዊ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ብወገኑ፡ ኣብቲ ሩስያ ኣማዕቢለዮ ትብሎ ዘላ ክታበት ስክፍታ ከም ዘለዎ ብምሕባር “ሩስያውያን እቲ ክታበት ድሕነቱ ዝሓለወን ውጽኢታውን ምዃኑ ኣረጋጊጾም ክኾኑ ተስፋ ይግብር” ኢሉ።
ኣብ ሞስኮ ዝመደበሩ ሓደሽቲ መድሃኒታት ዝፍትን ሓደ ካብ ዓበይቲ መፍረ መድሃኒት ዝኾነ ትካል ብወገኑ ንሚኒስተር ጥዕና ሩስያ እቲ ክታበት ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ዝግበረሉ ካብ መዓላ ደው ክብል ሓቲቱ ኣሎ።
ምክትል ዳይረክተር እቲ ትካል ዚቨትላና ዛቪዶባ ንማዕከና ዜና መድ ፖርተሳል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ፈተን ንቀዳማይን ንካልኣይን ደረጃ ፈተን ብሓባር ኣብ 76 ሰባት ከም ዝተፈተነ ብምሕባር፡ ኣብዞም ውሑዳት ሰባት ተሞርኵስካ ብቕዓት ናይቲ ክታበት ክትፈልጥ ከቢድ ምኳኑ ሓቢሩ።
እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ሩስያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣማዕቢለ ዝበለቶ ሃንቀው ኢለን’የን ዝጽበየኦ ዘለዋ።
ፕረዚደንት ፊሊፕንስ ሮድሪጎ ዱተርተ ነቲ ክታበት ኣብ ነብሱ ክፍትኖ ምኳኑ ሓቢሩ ኣሎ።
እስራኤል’ውን እቲ ክታበት ውጽኢቱ ርእያ፡ እኹል ክታበት ንምግዛእ ምስ ሩስያ ንምዝታይ ቅርብቲ ምህላዋ ሓቢራ ኣላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







