ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት

መግለጺ ቪድዮ, ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት

ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍንጫኩም ክንጸገልኩም ዶ ፍቓደኛታት ምኾንኩም? ንስነፍልጠታዊ ምርምር ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ነዚ ተግባር ፍቃደኛታት ዝኾኑ ብዙሓት እዮም።

እቶም ወለንተኛታት መስርሕ ምምዕባል እቲ ክታበት ንምቅልጣፍ፡ “ፈተነ ብድሆ” ኣብ ዝተባህለ መስርሕ ክሳተፉ እዮም።

ግና ፈተነ ብድሆ ደቂሰብ እንታይ እዮም፡ እንታይ ሓደጋታት ከ ክሕልዎም ይኽእል? ካብ ዙርያ ዓለም ሽዱሽተ ወለንተኛታት ኣዘራሪብና ኣሎና።