ኣብ ታሪኽ ክታበት ትምህርቲ ኮይኑ ዝሓለፈ ስሕተት

ዝኽተብ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ ዓለም ብቢልዮናት ንዝቑጸር ህዝቢ ክታበት ክትረክብ ኣብ እትጓየየሉ ዘላ እዋን፡ ካብ ፍጻመታት 1976 እንታይ ክትመሃር ትኽእል?

ኣብ ኒው ጀርሲ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ እዩ ጀሚሩ።

ብለካቲት 1976 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ኣመሪካ ብዘይተፈልጠ ስዋይን ፍሉ ተጠቒዖም ሓሚሞም።

ዋላ ሓደ ካብኣቶም ምስ ሓሰማ ርክብ ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተመሓላለፈ ሕማም እዩ ዝብል ግምት ነይሩ።

ድሕሪኡ ብዝተኻየደ መርመራ ልዕሊ 200 ወተሃደራት ከም ዝተለኸፉ ተፈሊጡ።

ዝኽሪ እቶም ብ1957ን 1968ን ዘጋጠሙ ለበዳታት፡ ሕጂ'ውን ሓድሽ እዩ። ብተወሳኺ ብዓሰርታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለ ኢንፍሉዌንዛ 1918 ዝፈጥሮ ስግኣት ኣሎ።

ትሕቲ 50 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ነዚ ሕማም ዝኸላኸል ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።

ስለ ዝኾነ ድማ ህጹጽ ውሳነ የድሊ ነይሩ። ሰብ መዚ ጥዕና ቅልጡፍ ዝኾነ ጻዕሪ እንተገይሮም ኣብ መወዳእታ እቲ ለበዳ ዝተራእየሉ ዓመት ክታበት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቦም።

ኢንዳስትሪ መፍረ መድሃኒት፡ ኣብ ልሙድ ወቕቲ ከጋጥም ንዝኽእል ጉንፋዕ ድሮ ክታበት ምሂዞም ወዲኦም እዮም። ንዕኡ ዝሕግዞም እንስሳ'ውን ነይሩዎም፤ ኩኩናይ።

ኣብቲ እዋን ክታበት ኢንፍሉዌንዛ ካብ እንቋቑሖ ብዘመናዊ መገዲ ዝባጽሑ ደርሁ እዩ ተሰሪሑ። ኣብቲ ወቕቲ ኩኩናይ ደርሆ ብብዝሒ ንማሕረዲ እዮም ዝውዕሉ ነይሮም።

ሽዑ ግን ክታበት ንምፍራይ ማሕረዲ ክንኪ ተገይሩ።

ብመጋቢት ፕሬዝደንት ፎርድ ክታበት ንምፍራይ 137 ሚልዮን ዶላር ከም ዝተሰልዐ ተዛሪቡ። ጀራልድ ሩዶልፍ ፎርድ መበል 38 ፕሬዝደንት አመሪካ እዩ።

"ዕላማ እቲ ክታበት ኩሉ ወዲ ተባዕታይ፣ ጓል ኣንስተይትን ህጻናትን ኣመሪካ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ንከዕብዩ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ግን ድማ እቲ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ፎርት ዲክስ ዝተራእየ ስዋይን ፍሉ ክንድቲ ሓደገኛ ኣይነበረን፤ ለበዳ'ውን ዘስዕብ ኣይኮነን።

ሓሰማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሓር ተመራመርቲ እቲ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተራእየ መልከፍቲ ቅድሚ ምምጽኡ ሓረግ ስዋይን ፍሉ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣመሪካ ክዛወር ጸኒሑ'ዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ እቶም ተመራመርቲ እቲ ብ1918 ዝተራእየ ኢንፍሉዌንዛ ናይ ሓሰማ ዘይኮነ ካብ ኣዕዋፍ ዝመጽአ ከይኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ጥራጠረ ሓዲሩዎም።

ኣብቲ እዋን ካብቲ ብ1959ታትን 1960ታትን ዝነበረ ዝምቡዕ ኣረኣእያ ስለ ዝተጸልው፡ ለበዳ ኢንፍሉዌንዛ ኣብ ውሽጢ ዑደት 11 ዓመት እዩ ዝመጽእ ዝብል ግምት ሒዞም ነይሮም።

ኣብዚ ዓመት ለበዳ ኮቪድ-19 ከጋጥም እንከሎ'ውን፡ ተመራመርቲ ዘይተማልአ ፍልጠት ተደሪኾም'ዮም እቲ ሕማም ንምክልኻል ክሕግዙ'ዮም ዝበሉዎም ምኽርታት ክህቡ ጸኒሖም።

ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና ርግጸኛታት ኣይነበሩን።

ኣብ 1970ታት ክታበት ስዋይን ፍሉ ኒውዮርክ ዝመርሐ ዶክተር ፓስካል ኢምፔራቶ "ኩላትና ዳርጋ ዝተሰማማዕና እዩ ዝመስለኒ፤ ግን ድማ መሊእና ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ፎርድ፡ መርሃ ግብሪ ክታበት ንምውሳን ምስ ተመራመርቲ ኣኼባታት ይውድብ ነይሩ።

ግን "እዚ ኣብ ክንዲ ሳይንሳዊ ኣገባብ ዝሕሉ ፖለቲካዊ ፍጻመ'ዩ ዝብል ትርጉም ይወሃቦ ነይሩ" ይብል ኣብቲ እዋን ዳይሬክተር ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት አመሪካ ዴቪድ ሴንሰር።

ሕጂ'ውን ተመራመርቲ ካብ ዝነበሮም ጥርጣረታት ናጸ ኣይኮኑን።

ፕሬዝደንት ኢንስቲትዩት መድሃኒት ዝነበረ ሃርቨይ ፋይንበርግ ብ2008 ዝነበረ ክስተት ተሞርኲሱ ብርክት ዝበሉ ሙኩራት ተመራመርቲ ክታበት በቶም ቅድም ኢሎም ዝጸንሑ ኣጀንዳታት ክድገፍ ዝገብሩ'ዮም ኢሉ ይድምድም።

"ገሊኦም ብደረጃ ሃገር ዘሎ ምስሊ ትካሎም ወይ ብቕዓቶም ክሃንጹ እንትጥቀምሉ ገሊኦም ድማ ክታበት ብምምሃዝ ሕማም ምክልኻል ይከኣል'ዩ ዝብል እምነት ዝነበሮም'ዮም" ይብል።

ኣብ 1976 ኣብ ዙርያ ክታበት ዝነበረ ኣቓልቦ ህዝቢ ኣብ ምቕራጽ ሚዲያ ዓብዪ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ሕጂ'ውን ታሪኽ ዓርሱ ይደግም ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1976 ኣብ ዙርያ ክታበት ዝነበረ ኣቓልቦ ህዝቢ ኣብ ምቕራጽ ሚዲያ ዓብዪ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ሕጂ'ውን ታሪኽ ዓርሱ ይደግም ኣሎ

እዚ ከምዚአ እናሃለወ፡ ኣርባዕተ ትካላት መፍረዪ መድሓኒት ምህርቲ ጀሚሮም፤ ፈተነ ክታበት'ውን ኣብ ምክያድ ተበጺሑ።

ግን ብወርሒ ሰነ ሓደ ጸገም ኣጋጢሙ። እቶም ኢንዳስትሪታት ውሕስነት ተሓታትነት ከም ዘይረኸቡ ብምግላጽ ኮንግረስ ኣመሪካ ውሕስነት ክህቦም ሓቲቶም። ግን ሕትኦም ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እዚ ንሓለፍቲ ጥዕና ጸገም ካብ ምፍጣር ሓሊፊ እምነት ህዝቢ ክጎድል ገይሩ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ፕሬዝደንት ፎርድ ወጻኢታት ክሲ ከም ዝሽከም ብምግላጽ ኮንግረንስ ኣመሪካ'ውን እቲ ሕጊ ከጽድቐሉ ሓቲቱ።

እቲ መርሃ ግብሪ ናብቲ ዝነበሮ እንተተመለሰ'ውን ኣብ ልዕሊ ግንዛበ ህዝቢ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ግን ምድሓን ኣይተኽኣለን።

ስለዚ፡ ንኮሮናቫይረስ ዝኸውን ክታበት ከም ዝረኽቡልና ቃል ክኣትው ንርእዮም ዘለና ፖለቲከኛታት መራሕቲ፡ ካብ ፍጻመ ስዋይን ፍሉ 1976 እንታይ ክመሃሩ ይኽእሉ?

ፋይንበርግ፡ "እቲ መሰረታዊ ስትራቴጂካዊ ስሕተት" እቲ ክታበት ገና እናሃለወ ኩሉ ክኽተብ'ዩ ኢልካ ምእዋጅ እዩ ይብል።

ስለዚ መራሕቲ ሃገራት ንህዝቢ ዝተጋገየ ነገር ክነግሩዎ ከለው፡ ነቲ ዝስራሕ ስራሕ ዝጸሉ ናይ ጸደፍደፍ ስራሕ ክህሉ'ዩ ዝገብር።

ኣመሪካ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021፡ 300 ሚልዮን ክታበት ንህዝቢ ከቕርብ እየ ክትብል ከላ፡ እቲ መስርሕ ሳይንሳዊ ካብ ምዃን ሓሊፉ ፖለቲካዊ ክኸውን እዩ ዝገብሮ ብምባል ጸላዊ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ፎርድን ካልኦት መራሕትን ብተደጋጋሚ እቲ ለበዳ ምቁጽጻር "ከም ዝክኣል" ካብ ምግላጽ ወጻኢ ብኸመይ ንዝብል ግን ዝብሉዎ ኣይነበረን።

ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ተመራመርትን ፖለቲከኛታት ናይ ቋንቋ ኣፈላላይ ነይሩ'ዩ።

ድሕሪ 1976'ውን፡ እቲ ህዝቢ ካብ ሰብ ሞያን ተመራመርትን ክርኽቦ ዝግባእ ሓበሬታ ብፖለቲከኛታት እዩ ዝንገሮ ዘሎ።

ሴንሰር፡ "ሳይንሳዊ ሓበሬታ ካብቲ ዓውዲ ወጻኢ ብዝኾነ ሰብ ፖለቲከኛ ክዝረብ እንከሎ፡ ሃረርታ ዘይኮነ ጥርጣረ እዩ ዝፈጥር" ይብል።

እዞም ታሪኽ ኣብ ሕሉፍ ዝሰነዶም ስሕተታት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19'ውን ክድገሙ ክኢሎም? እንታይ እዋን ተረሲዖም?

ሓቂ'ዩ ተመራመርቲ'ውን ሰባት'ዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ1976 ብዛዕባ ዝነበረ ጉዳይ ዘሎ ሕጽረት ሳይንሳዊ መረዳእታ ክንርኢ ንኽእል።

እቶም ሽዑ ዝነበሩ ተመራመርቲ ግን እቲ ንሕና እንርእዮ ወይ እንሓስቦ ዘይክሓስቡ ይኽእሉ።

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ዝህቡዎ መደምደምታ ካብ ጥርጣረ ብዝብገስ እምነት፣ ባህርያዊ ድፍኢት ወይ ስግኣት ዝተላዕለ'ዩ ነይሩ።

ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ 2020 ዘሎ ሳይንስ ቫይረሳት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ፖለቲኸኛታት "ብዛዕባ ሳይንስ" ክዛረቡ ከለው ዝተማልአ ፍልጠት ዘለዎም ይመስሉ፤ ንጻዕርታት ሳይንስ ግን ዕሽሽ ዝብሉዎ ይመስሉ።