ክታበት ኮቪድ-19 ዘማዕብሉ ትካላት ዒላማ ዝገብሩ ሩስያውያን ሰርሰርቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያውያን ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምምዕባል ዝጽዕራ ዘለዋ ናይ መጽናዕቲ ትካላት ዒላማ ይገብርወን ከም ዘለዉ ሃገራዊ ማእከል መርበባዊ ጸጥታ ብሪጣንያ ገሊጹ።
እቶም ጓሓላሉ መርበብ ኢንተርነት፡ ኣካል ኣገልግሎት ስለያ ሩስያ ምዃኖም፡ እቲ ናይ ጸጥታ ትካል ጠቒሱ።
ሩስያ ግን ኣብቲ ንጥፈታት ኢድ ከም ዘይብላ ገሊጻ'ላ።
እዞም ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ፡ ኣይኖት ትካላት ዒላማ ከም ዝተገበሩ ግን ዝተዋህበ ንጹር ሓበሬታ የለን።
እቶም ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ዝጽዕሩ ዘለው ትካላት ብወገኖም፡ በዞም ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ ከይተሰናበዱ ስርሖም ከም ዝቕጽሉ ገሊጾም ኣለው።
ኣፈኛ ፕረዚደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ከም ዝሓበሮ፡ ሩስያ፡ ብዛዕባ እዞም ሰለይቲ ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይብላን፡ ነየነቶም ትካላት መፍረ መድሃኒት ዒላማ ገይሮም ከምዘጥቕዑ'ውን ዝኾነ መረዳእታ ከም ዘብላ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ሩስያ፡ ምስ እዚኦም ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ ዝኾነ ምትእስሳር ከም ዘይብላ ኣፍሊጡ።
እቲ መጥንቐቕታ ካብ ሃገራዊ ማእከል መርበባዊ ጸጥታ ብሪጣንያ፡ ሚኒስትሪ ጽጥታ ኣመሪካ፥ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ከምኡ'ውን ካናዳ እዩ ተዋሂቡ።
ሓደ ክኢላ ከም ዝበሎ፡ ሽሕ እኳ ሩስያ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብላ እንተኸሓደት፡ ኣብዚ መስርሕ ኢድ ሰለይቲ ሩስያ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ምክትል ኣኽባሪ ሕጊ ኣመሪካ ቅድም ክብል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስትታት ነቲ ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት መጽናዕትታት በዞም ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ ኣቢሎም ክሰርቑ ከም ዝፍትኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ዝረኸበት ሃገር፡ ብዓለም ደረጃ ዓቢ ጂኦ-ፖሎቲካዊ ጽልዋ ክህልዋ ስለ ዝኽእል፡ መንግስትታት ነቲ ሓበሬታ ተጠቒሞም ክታበት ከምህዙ ከም ዝፍቱ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣተንቢሁ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን ካልኦት መርበባት ስለያን ነዞም ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ ይከታተልዎም ምህላዎም ወሲኹ ሓቢሩ።
ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ናብ መንግስታዊ ኮምፒዩተራት ቫይረስ ብምልኣኽ፡ ከቢድ ናይ ስራሕ መልመስቲ ከም ዝፈጥሩ ጸብጻባት የረድኡ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020፡ ምስ ቻይና ምትእስሳር ኣለዎም ዝተብሃሉ ሰርሰርቲ፡ ናይ ኮሮናቫይረስ መጽናዕትታት ዒላማ ከምዝገበሩ ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም ምንባሮም ይፍለጥ።
እቶም ሰርሰርቲ፡ ናይ ኮሮናቫይረስ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ትካላት፡ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከምዝፈተኑ፡ ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ (ኤፍቢኣይ) ሓቢሩ ነይሩ።
ኤፍቢኣይ ከምዝብሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ፡ ኣብ ክታበት፣ ሕክምናን ምርመራን ኣመልኪቶም መጽናዕትታት ዝገብሩ ጉጅለታት በቶም ሰርሰርቲ ዒላማ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣመሪካ፡ ንቻይና ብዙሕ ግዜ እያ ከምዚ ዓይነታት ክሲ እተቕርበላ። ቻይና ግን ነዚ ክስታት ትነጽጎ ጸኒሐ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







