ኢራን ብሚስጢራዊ ባርዕ ሓዊ ትናወጽ

ዝተቓጸለ ክሊኒክ

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY IMAGES

ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መራኽብ፡ ኣስታት ሸውዓተ ጃላቡ ከም ዝተቓጸላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ሰብመዚ እቲ ከባቢ ንኢንራ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተወን ዝኾነ ዝተጎድኣ ሰብ ከም ዘየለን ሓቢሮም።

ጠንቂ እቲ ባርዕ ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከምዚ ዓይነት ተኸታተልቲ ሚስጢራዊ ፍጻመታት ከጋጥሙ ምቕናዮም ጥርጣረታት ፈጢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ትካል መፍረ ሚሳይል፣ መመንጨዊ ጸዓት፤ ሕክምና፡ ከምኡ'ውን ኒዩክሌራዊ ህንጻ ብነትጉን ባርዕ ሓውን ዓንዩ'ዩ።

እዚ ፍጻመታት፡ ሽርሕታት ናይ ደገ ሓይልታት ዝተዋስኡሉ ከይኮነ ኣይተርፍን ዝብሉ ግምታት ኣሕዲሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ማሻሃድ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ብባርዕ ዓቢ ጉድኣት ከም ዝበጽሖ ይግለጽ።

ሰብመዚ እታ ከተማ ሽዱሽተ ገንኢ ጋዝ ብሓዊ ተቓጺሉ ከም ዝተባርዐ ተዛሪቦም ነይሮም።

ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ'ውን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ማሻሃር ዝርከብ ትካል መፍረዩ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከኣ፡ ኣብ ከተማ ቴህራን፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ-ቤት ሓደ ህንጻ ናይ ጋዝ ገንእታት ተቓጺሉ ከም ዝነበረ መጥፋእቲ ሓዊ እታ ከተማ ሓቢሮም።

ሰበ ስልጣን ኢራን፡ ብድሕሪ እዚ ፍጻመታት ናይ ደገ ሽርሕታት ወይ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢድ ከይህልዎም ይከታተሉ ምህላዎም ገሊጾም።

ኣብ 2010፡ ኣብ ኣመሪካን እስራኤልን ተሰሪሑ ተባሂሉ ዝጥርጠር ናይ ኮምፒዩተር ቫይረስ ነቲ ኣብ ናታንዝ ዝርከብ ኒዩክሌራዊ ማሽነሪታት ጉድኣት ኣውሪዱሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።