ብኣመሪካ ዝተቐትለ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ መን'ዩ?

ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ፡ ካብቶም ዝሓየሉ ላዕለዎት ኣዛዝቲ ሰራዊት ኢራን ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስጢራዊ ስሪሒታት ዘወሃህድ ዝነበረ'ዩ።

ጀነራል ሶሌማኒ ብዓርቢ ወጋሕታ'ዩ ኣብ ዒራቕ፡ ርእሰከተማ ባቕዳድ ብመጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ተቐቲሉ።

እዚ ወዲ 67 ዓመት ጀነራል፡ ኣብ ሃገሩ ዝለዓለ ተቐባልነትን ተፈላጥነትን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኮይኑ የገልግል ነይሩ።

ኣመሪካ፡ ነዚ ጀነራል ኣብ ሽውዓተ ክፍለ-ዓለማት፡ ኣብ 5 ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ክትብል ትኸሰስ።

ኢራን ከም ግበረመልሲ ናይቲ "ግብረሽበራዊ" ዝበለቶ ቅትለት ጀነራላ፡ ኣብ ልዕሊ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ሕነ ከምእትፈዲ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካመነይ ኣጠንቂቑ'ሎ።

እቲ ሰያብ ጨጉሪ ርእሲ ዝውንን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ፡ ፍሉይ ተውህቦ ወተሃደራዊ መሪሕነት ዘለዎ፤ ብብዙሓት ወገናት ኣዝዩ ዝኽበር ብኻልኦት ድማ ኣዝዩ ዝጽላእ ምዃኑ ይግለጽ።

ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ምስ ኣያቶላሕ ዓሊ ካማኒ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንሱ፡ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ጸልማት ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ካብቲ ዝነበረሉ ጸልማት ብምውጻእ ኣብ መንግስቲ ኢራን ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦን፡ ከም ሃገራዊ ጅግና ዝረኣይን ወሳኒ ሰብ ኮይኑ ክቐርብ ጸኒሑ።

ሶሌማኒ፡ ካብ ድኻ ስድራቤት ዝተወልደ ኮይኑ፡ ብዙሕ ኣካደምያዊ ትምህርቲ ከምዘይብሉ እዩ ዝግለጽ። እንተኾነ ግን፡ ምስ ግዜ ከም ኣዛዚ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ክኸውን በቒዑ።

እቶም ንሱ ዝመርሖም ፍሉያት ሓይልታት ኩዱስ ድማ ብቐጥታ ብኣያቶላህ ዓሊ ካማኒ እዮም ዝእዘዙ።

ንሱ፡ ኣብቲ ሓደ ካብቶም ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን፡ ዓለምና ዝረኣየቶም ዝነዉሑን ከቢድ ዕንወት ዘኸተሉን ደማውያን ውግኣት ምዃኑ ዝንገረሉ፤ ኣብ 1980 ፈሊሙ ኣብ 1988 ዝተዛዘመ ኲናት ኢራንን ዒራቕን፡ ስሙ ከጸውዕ ክኢሉ'ዩ።

ኣብ 1998 ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምስ ኮነ፡ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ስሪሒታት ብምክያድ ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝዓቢ ገይሩ እዩ።

ንሱ፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ምዕላምን፡ ገንዘብን ኣጽዋርን ብምዕዳል፡ ጽልዋ ኢራን ከምዝዓቢ ገይሩ።

ሶሌማኒ፡ ኣብ ሓላፍነት ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቶም ኣብ ዒራቕ ዘለው ሽዓን ኩርድን ኣብ ምሕጋዝ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ሒዝቦላህን፡ ንፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስን ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሩ ነይሩ።

ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ኣብ 2015

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ 2003፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝምራሕ ኪዳን፡ ንሳዳም ሑሴን ምስ ኣለዮ፡ ንሱ ዝመርሖም ሓይልታት ወደሃደራዊ መዓስከራት ኣመረካ ብምጥቃዕ ሓያሎ ወተሃደራት ኣመረካ ቀቲሎም እዮም።

እቶም ንሱ ዝመርሖም ሓይልታት ምስ ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ተሰሊፎም ከም ኣማኸርቲ፣ ሃንደስቲን ተዋጋእትን ኮይኖም ንፕረዚደንት ባሻር ኣልኣሳድ ኣብ ስልጣኑ ከምዝጸንሕ ኣብ ምግባር'ውን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም።

ሶሌማኒ፡ ኣንጻር ዳዕሽ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ውግእ'ውን ኣገዳሲ ተራ ከምዝተጻወተ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኢራን፡ ኣብቲ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ ዝግበር መጥቃዕትታት፡ ኣንጻሮም ንዝኾኑ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ምድጋፍን ምስልጣንን ከምዝተሳተፈት ይንገር።

እንተኾነ ግን፡ ብዙሓት ዒራቓውያን ምትእትታው ኢራን ብምቁዋም፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ብዙሕ ተቓውሞታት ኣስሚዖም እዮም።

ዕጡቃት ሓይልታት ዒራቕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዝርጋሐ ሶሌማኒ ግን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተረፈ ኣይነበረን።

ኣብ 2011፡ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ንኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣመሪካ ክቕንጽልዎ መደብ ከምዝነበሮም ይኽሰሱ እዮም።

ቅድሚ ክልተ ዓመት'ውን ሓደ ኣባል ሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ማሕበር እስራኤላውያን ክስሊ ተረኺቡ ከምዝተኣስረ ይግለጽ።

ብሰንኪ'ዚን ካልእ ተጻባኢ ምንቅስቓሳትን ድማ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ሚያዝያ 2019 ንሓይልታት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ መዝገብ ግበረሽበራ ኣእቲያቶም።