ኢራን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቕትለት ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሱሌማኒ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ፡ ኢራን ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ።

ኢራናዊ ዓቃቢ-ሕጊ ዓሊ ኣለቃሲመር ከም ዝበሎ፡ ትራምፕ ዝርከቦም 35 ውልቀሰባት፡ ብቕትለት ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሱሌማኒን ግብረሽበራን ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ክኣትው ንዓለምለኻዊ ውደብ ሓይሊ ፖሊስ (ኢንተርፖል) ሓቲቱ።

ዓለምለኻዊ ውደብ ሓይሊ ፖሊስ ግን፡ ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ከምዘየእቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ።

ወኪል ኣመሪካ ኣብ ኢራን፡ እቲ ዝተዋህበ ትእዛዝ ፖሮፖጋንዳዊ መናውራን ትርጒም ዘይብሉን ክብል ገሊጽዎ።

ምክትል ወጻኢ ጉዳያት ኢራን፡ ቤት-ፍርዲ ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ንጀነራል ሱሌማኒ ዝቐተሉ ዝበሎም ክሲ ከምዝምስረተሎም ሓቢሩ።

ኢራን፡ እዞም ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ፍትሒ ክሳብ ዝርከብ፡ ጻዕራ ጠጠው ከምዘይተብሎ'ውን ወሲኹ ኣረዲኡ።

ጀነራል ሱሌማኒ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ'ዩ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ተቐቲሉ።

እዚ ኣብ መበል 62 ዓመቱ ዝተቐትለ ጀነራል፡ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ወታሃደራዊ ምትእትታዋት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ'ዩ።

ኣመሪካ፡ ነዚ ጀነራል ኣብ ሽውዓተ ክፍለ-ዓለማት፡ ኣብ 5 ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ክትብል ትኸሶ ነይራ።

ኢራን ከም ግበረመልሲ ናይቲ "ግብረሽበራዊ" ዝበለቶ ቅትለት ጀነራላ፡ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ ብሚሳይል መጥቃዕቲ ምክያዳ ይፍለጥ።

እዚ ብኢራን ዝተዋህበ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ፡ መርኣያ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዘለዋ ጽልኢ እምበር ብዙሕ ትርጉም ከምዘለይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።