ሬሳ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ንምቕባል ሓዘንተኛታት ንጎደናታት ኢራን ኣዕለቕሊቖምዎ

ሬሳ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ንምቕባል ብዙሓት ሓዘተኛታት ንጎደናታት ኢራን ኣዕለቕሊቖምዎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢራናውያን ሓዘንተኛታት፡ ንሬሳ እቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ ዝተቐትለ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ንምቕባል ንጎደናታት ከተማ ኣሕፋዝ መሊኦማ ከምዘለው ተገሊጹ።

ሬሳ ቃስም ሶሌማኒ፡ ምስ ካልኦት ምስኡ ዝተቐትሉ 5 ወተሃደራዊ መኰንናት ሎሚ ንግሆ ናብ ኢራን ኣትዩ።

እቶም ሓዘንተኛታት ኣፍ-ልቦም እናሃረሙ "ሞት ንኣመሪካ" እናበሉ ይጭድሩ ከምዘለው'ውን ተገሊጹ።

እዚ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ፡ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ረብሓታት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ሰብ እዩ።

ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ፡ ኣብ ሃገሩ ዝለዓለ ተቐባልነትን ተፈላጥነትን ዝነበሮ ሰብ ኮይኑ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኮይኑ ዘገልግል እዩ።

እዚ ጀነራል ዝመርሖ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ተጸዋዕነቱ ብቐጥታዊ ርክብ ንላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ሃገር ኣያቶላህ ዓሊ ካመነይ ኮይኑ፡ ምስቲ ጀነራል ጽቡቕ ዝምድና ከምዝነበሮም ይግለጽ።

ኢራን ከም ግበረመልሲ ናይቲ "ግብረሽበራዊ" ዝበለቶ ቅትለት ጀነራላ፡ ኣብ ልዕሊ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ሕነ ከምእትፈዲ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካመነይ ኣጠንቂቑ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ዒራቕ ካብ መዓስከራት ኣመሪካ ክሳብ ሓደ ኪሎ ሜትር ክርሕቑ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሩ ሓይልታት ሑዝብላሕ መጠንቐቕታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ከም ግብረ መልሲ ድማ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣስታት 3 ሽሕ ሰራዊት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክልእኽ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ዜጋታቱ ካብ ዒራቕ ጠቕሊሎም ክወጽኡ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ዒራቕ ሬሳ ኢራናዊ ጀነራል ተሰኪሞም ዝነበሩ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ትማሊ ሓሙስ'ውን፡ ድሕሪ እቲ ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውግሕ ሰዓታት ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ ዝተቐትለ ኢራናዊ ጀነራል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ከተማ ባቕዳድ ብሓያሎ ተወንጨፍቲ ሚሳይላት ከምዝተወቕዐት ምንጨታት ገሊጾም።

እቲ ቦምባታት ኣብ ከባቢ ኤምባሲ ኣመሪካን ኣብ ሰሜን ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካን ከምዝወደቐ ተገሊጹ።

በቲ ዝተተኮሰ ቦምባታት ዝኾነ ሰብ ከምዘይተጎድአ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ገሊጾም።

እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ጀነራል፡ ኣብ ከተማ ባቕዳድን፡ ብሽዓውያን ቕዱሳን ከተማታት ተባሂለን ኣብ ዝጽውዓ ከተማታትን ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ንመጥቃዕቲ እቲ ተወንጫፊ ሚሳይላት ዝኾነ ይኹን ኣካል ሓላፍነት ዝወሰደሉ የለን።

እንተኾነ ግን፡ ደገፍቲ ኢራን ካብ ዝኮኑ ምልሻታት፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ናብ ዝዓስከሩሉ መደበር ብዝተተኮሰ ተወንጫፊ ሓደ ኣመሪካዊ ከምዝተቐትለ ይንገር።