ኢራን ሕነ ናይቲ ብኣመሪካ ዝተቐትለ ላዕለዋይ ጀነራል ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ

ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ኣመሪካ ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ

ኵዱስ እናተብሃለ ንዝጽዕዋዕ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ዝመርሕ ዝነበረ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ብኣመሪካ ከምዝተቐትለ መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ዒራቕ ዝተቐትለ ጀነራል፡ አብ ኢራን ዓብይ ጽልዋ ዝነበሮ ወሳኒ ሰብ እዩ ነይሩ።

እቲ ጀነራል 'ካብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዝተውሃበ ትእዛዝ' ከምዝተቐትለ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፔንታጎን፡ ኣረጋጊጹ።

እቲ ጀነራል ብኢራን ምስ ዝድገፉ ዕጡቓት ኮይኑ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ብመኪና እናተጉዓዘ እንከሎ እዩ ብመጥቃዕቲ ኣየር ተቐቲሉ።

እዚ መቕተልቲ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዘሎ ምትፍናን ኣዝዩ ከጋድዶ እዩ ተባሂሉ።

ኣያቶላህ ዓሊ ካማኒ፡ ኢራን ነዚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ሕነ ከምእትፈዲ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ፡ ነቲ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ "ሓደገኛን ዕሽነት ዝተመልኦን" ክብል ነቒፍዎ።

እቲ ዝተቐትለ ጀነራል፡ ኣብ መንግስቲ ኢራን ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦን፡ ከም ሃገራዊ ጅግና ዝረኣይን ወሳኒ ሰብ እዩ ነይሩ።

እቶም ንሱ ዝመርሖም ፍሉያት ሓይልታት ኵድስ፡ ተጸዋዕነቶም ብቐጥታ ንኣያቶላሕ ዓሊ ካማኒ እዩ።

እቲ ዜና ምስተነገረ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስሊ ባንዴራ ኣመሪካ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ።

ድሕሪ'ዚ ፍጻመ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ብ 4% ክብ ከምዝበለ ይግለጽ።

ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ባግዳድ ዝተርአየ ትኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ባግዳድ ዝተርአየ ትኪ

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ካብ ዋና ቤትጽሕፈት ፔንታጎን ዝወጽአ መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደገ ንዘለዉ ዜጋታት ኣመሪካ ውሕስና ክበሃል ብፍሉይ ትእዛዝ ትራምፕ ከምዝተፈጸመ ይገልጽ።

እቲ ስጉምቲ፡ ኢራን ኣብ መጻኢ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ክትፍጽሞ እትኽእል መጥቃዕቲ ንምዕጋት ዝዓለመ እዩ ክብል'ውን ወሲኹ።

እዚ መጥቓዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ዒራቅ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ብናዕበኛታት ጥቕዓት ምፍጻሙ ስዒቡ እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኢምባሲ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ጥቕዓት ብትእዛዝ ጀነራል ቃሲም ዝተዋደደ እዩ ነይሩ ክብል መንግስቲ ኣመሪካ ይኸስስ።

ሰውራዊ ሓይሊ ኢራን ነቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኮኒኑ፡ መራሒ ሚሊሻ ዒራቅ ውን ኣብቲ ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ከምዝተቐተለ ገሊፁ።

ቃሲም ሶሌማኒ መን እዩ?

ቃሲም ሶሌማኒ ካብ 1998 ጀሚሩ ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ዝንቀሳቐስ ፍሉይ ሓይሊ ኵድስ ዝመርሐ እዩ።

እዚ ሓይሊ ድማ፡ ኣብ ደገ ንዝካየዱ ሕቡኣት ስርሒታት ኢራን ዝፍጽም እዩ።

አመሪካ ንሰውራዊ ሓለዎ ኢራን፡ ከምኡ ድማ ንፍሉይ ሓይሊ ኵድስ ከም ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ክትገልጾ ጸኒሓ እያ።

ድሕሪ ቅትለት ጀነራል ሶሌማኒ መን እንታይ ኢሉ?

ቻይና፤ ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣመሪካ ህድኣትን ቁጥብነትን ክተርእይ ጸዊዓ'ላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ድማ ንቕትለት ጀነራል ሶሌማኒን መራሒ ሚሊሻ ዒራቕ ኣቡ ማህዲ ኣል-ሙሃንዲስን ኮኒኑ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ከኣ "ቅትለት ሶሌማኒ ኣብ ምሉእ እቲ ዞባ ምትፍናን ዘዕስል ጥንቃቐ ዝጎደሎ ስጉምቲ እዩ" ኢሉ።

ሶሌማኒ ንረብሓታት ኢራን እዩ ዝሕሉ ነይሩ ዝበለት ሩስያ፡ ብሞት እቲ ጀነራል ሓዘና ገሊጻ።

ኣባላት ሰልፊ ዴሞክራትን፡ ነቲ ሰልፊ ወኪሎም ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ዝነሓናሕ ዘለዉን፡ ኤልዛቤት ዋረን ከምኡ ድማ ጆ ባይደን፡ ንጀነራል ሶሌማኒ "ገበነኛ" ኢሎም እኳ እንተገለጽዎ፡ እቲ ብኣመሪካ ዝተወሰደ ስጉምቲ ግን ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዘሎ ኩነታት ዘጋድድ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ከይወዓሉ ከይሓደሩ ካብ ዒራቕ ክወጹ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።

ኣብ ኢራን ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ኢራን ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ዝኣወጀት ኮይና፡ ኣብ ዛዕባ ቅትለት ጀነራል ሱሌማኒ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ጸጥታ እታ ሃገር ሎሚ ከምዝእከቡ ተገሊጹ።

ዝተፈላለያ ሚድያታት እታ ሃገር ድማ፡ ንወተሃደራዊ ግድኡ ብምልዓል ከም ጅግና ይዝክረኦ ኣለዋ።