ኢራን፡ ኣብ ጀብል -ጣርቕ ታታሒዛ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ኢራን ተለቒቓ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናብ ሶርያ ነዳዲ ተግዕዝ ኣላ ብዝብል ጥርጣረ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ጀብል -ጣርቕ ተታሒዛ ዝጸንሐት ናይ ኢራን መርከብ ካብ ወደብ ጉዕዞ ጀሚራ ኣላ።
እታ መርከብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣምሪሓ ዘላ ኮይና ኣብ ግሪክ ከምእተዕርፍ ተገሊጹ ኣሎ።
እታ መርከብ ቅድም ክብል 'ግሬስ 1' ዝበል ሽም ዝነበራ ኾይኑ፡ ሕጂ ግን 'ኣድርያን ዳርያ-1' ብዝብል ሓድሽ ስም እያ ትንቀሳቐስ ዘላ።
ጀብል -ጣርቕ ነታ መርከብ መሊሳ ክትሕዛ ካብ ኣመሪካ ንዝቐረበላ ሕቶ ስለዝነጸገቶ፡ እታ መርከብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣምሪሓ ኣላ።
ኣመሪካ ነቲ ሕቶ ዘቕረበት ብዓርቢ ክኸውን ከሎ፡ ጀብል -ጣርቕ እታ መርከብ ክትተሓዝ ዘንበረቶ ትእዛዝ ድሕሪ ምልዓላ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳ፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ተግባራዊ ከምዘይከውን ብምጥቃስ እያ ጀብል -ጣርቕ ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝቐረበላ ሕቶ ከይተቐበለቶ ተሪፋ።
ኢራን ነታ መርከብ ዝሕሉ ሓይሊ ባሕሪ ክትሰድድ ተዳልያ ምህላዋ ገሊጻ።
ድሕረ ባይታ ናይዚ ዛንታ እንታይ እዩ?
እታ ዜጋታት ህንዲ፣ ሩስያ፣ ላቲቭያን ፍሊፒንስን ዝኾኑ 29 ባሕረኛታት ዝሓዘት መርከብ ብሓገዝ ሓይልታት ባሕሪ ብሪጣንያ እያ ተታሒዛ።
እዚ ድማ፡ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝኾነት ጂብራልታር፡ እታ መርከብ ንእገዳ ሕብረት ኣውሮጳ ጥሕሳ ናብ ሶርያ ትጓዓዝ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጻ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ኹነታት ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ኢራንን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ዘስዓበ ኮይኑ፡ ኢራን ናይ ብሪጣንያ ባንዴራ እተንበልብልን ብስዊድናዊ-እትውነንን ናይ ነዳዲ መርከብ ክትሕዝ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ሰብመዚ ጂብራልታር ነታ መርከብ ናጻ ዝሰደድዋ፡ እታ መርከብ ጽዕነታ ኣብ ሶርያ ከምዘይተራግፍ ኢራን ብሓሙስ ስለዘረጋገጸትሎም እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







