ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ መርዕኡ 63 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም 'ተስፋ ዝቐበጸ' መርዓዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣፍጋኒስታናዊ ሚርዋይስ ኤርሚ፡ ኣብ ናይ መርዕኡ ጽምብል ቦምባ ብምፍንጃሩ፡ 63 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 180 ሰባት ድማ ቆሲሎም እዮም።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓዉን ካልኦት ኣዝማዱን ዝተቐተልዎ መርዓዊ "ተስፋ ከምዝቐበጸ" ተዛሪቡ።
እቲ መጥቃዕቲ ብቀዳም ዘጋጠመ ኾይኑ፡ እስላማዊ ጉጅለ (ኣይኤስ) ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ'ሎ።
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነነ ክኸውን ከሎ፡ "ንኣሸበርቲ ባይታ የጣጥሕ ኣሎ" ክብል ድማ ንጣሊባን ወቒሱ እዩ።
ጣሊባን ብወገኑ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ።
እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ኣይኤስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓደ ካብ ዕጡቓቱ "ብዙሓት ኣብ ዝተኣከብሉ" ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ከሎ፡ ካልኦት ድማ "ኣብ መካይን ዝተጻወደ ነተጉቲ ኣፈንጂሮም" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ጽምብል መርዓ ክግበር ከሎ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት እዮም ኣብ ኣዳራሽ ዝእከቡ። ኣብ መርዓ፡ ኣሰብኡት ንበይኖም' ኣንስትን ህጻናትን ድማ ንበይኖም እዮም ዝኾኑ።
እቲ መርዓዊ "ቤተሰበይ፣ መርዓተይ ሰምቢዶም እዮም ዘለዉ፡ ክዛረቡ ኣይክእሉን። መርዓተይ ነነሻብ ውነኣ ትስሕት ኣላ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ሓወይ ስኢነ፣ መሓዙተይ ስኢነ፣ ኣዝማደይ ስኢነ። ኣብ ህይወተይ ዳግም ክሕጎስ ኣይክእልን እየ" እውን ኢሉ።
ናብ ቀብሪ ክኸይድ ዓቕሚ ከምዘይረኸበ'ውን ተዛሪቡ።
ኣቦ ናይቲ መርዓዊ'ውን 14 ኣዝማዱ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







