ኢራን፡ ሓዲሽ ኣዛዚ ናይቲ ብ'ቅዱስ ሓይሊ' ዝፍለጥ ኣሃዱ መዚዛ

ብርገደር ጀነራል እሽማዕል ኵኣኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብርገደር ጀነራል እሽማዕል ኵኣኒ

ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካመነይ፡ ንብርገዴር ጀነራል እሽማዕል ኩኣኒ ከም መተካእታ ናይቲ ሎሚ ዝተቐትለ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ብምዃን ኣዛዚ ናይቲ 'ቅዱስ ሓይሊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ ክኸውን መዚዝዎ።

እቲ ፍሉይ ኣሃዱ፡ ኣካል ናይቶም ብሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝፍለጡ ሓይልታት ምዃኑ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ እቲ ኣሃዱ፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ብጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ዝእዘዝ ዝነበረ'ዩ።

ጀነራል ሶሌማኒ፡ ብመጥቃዕቲ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣመሪካ'ዩ ኣብ ውሽጢ ዒራቕ ተቐቲሉ።

እዚ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል፡ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ወታሃደራዊ ምትእትታዋት ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ'ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ብርጋዴር ጀነራል እሽማዕል ካኣኒ፡ ኣብ 1980 እዩ ኣብ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ተጸንቢሩ።

ንሱ፡ ኣብቲ ካብ 1980 ክሳብ 1988 ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ኢራንን ዒራቕን'ውን ተሳቲፉ። ድሕሪ'ቲ ኲናት ድማ፡ ናብቲ 'ቅዱስ ሓይሊ' ተጸምቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ዝቐነዓ ተሪር መግለጺታት ህይቡ ነይሩ።

ኣብ 2018፡ ነቲ ኣብ ኣብ መስከረም 11, 2011 ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተኻየደ ግበረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዕግርግር ክትፈጥር ዝገበረቶ "ነፍሰ-ጉድኣት" ከምዝነበረ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ 7 ቢልዮን ዶላር ኣጥፊኣ ወላ ሓንቲ ከምዘተዓወተት'ውን ገሊጹ ነይሩ።