እስላማዊ ሓይልታት ሰውራ ኢራን ወተሃደራዊት ሳተላይት ከምዝወንጨፈ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስላማዊ ሓይልታት ሰውራ ኢራን ንመጀመርታ እዋን ወተሃደራዊት ሳተላይት ናብ ዓንኬል ምድሪ ( ኦርቢት) ብዕዉት ኣገባብ ከምዝወንጨፈ ኣፍሊጡ።
እዛ ኑር[መብራህቲ] ዝተሰመየት ሳተላይት፡ ኣብቲ ዝተመደበላ 425 ኪሎ ሜትር ብራኽ ብሰላም ከምዝበጽሐት እቲ ካብ እስላማዊ ሓይልታት ሰውራ ኢራን ዝወጽአ መግለጺ ጠቒሱ።
ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሳሰሊ ፈትነታት ኣካይዳ ይፈሽላ ምንባሩ ይጥቀስ።
እዚ ዕውቱ ምውንጫፍ ወተሃደራዊት ሳተላይት ኢራን፡ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝነበረ ሓርፋፍ ርክብ ዝያዳ ከጋድዶ ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
ፕረዚደንት ዲናልድ ትራምፕ ድሕሪ እዚ ዕዉት በረራ ሳተላይት ኢራን ብትዊተር ናብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ብረት ዝጸዓና መራኽብ ኢራን ኣብ ባሕሪ ንዘለዋ መራኽብና እንድሕር ከሰራጥያ ፈቲነን በልወን፡ ኣዕንውወን" ዝብል ትእዛዝ ሂቢ'ሎ።
ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ዝበለ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መሽመጥ ጋልፍ 11 መራኽብ እስላማዊ ሓይልታት ሰውራ ኢራን ናብ ሽዱሽተ መራኽብ ኣሜሪካ ብምጽጋዕ ከሳራጥያና ፈቲነን ዝብል ጸብጻብ በጺሕዎ ስለዝነበረ'ዩ።
እንተኾነ፡ ኢራን ነቲ ብኣሜሪካ ዝቀረባ ክሲ ናይ 'ሆሊዉድ' ዝመስል ተዋስኦ ደው ከተብሎ ብምጽዋዕ፡ መራኽብ ኣሜሪካ ንመራኽባ መንገዲ ከምዝዓገተአን ብምግላጽ መልሲ ሂባትሉ ነይራ'ያ።
ውሃቢ ቃል ሰራዊት ኢራን ነቲ ትራምፕ 'ትዊት' ዝገበሮ ብምንቃፍ "ኣሜሪካ ኣብ ክንዲ ንኻልኦት ክትጻረፍ ትውዕል፡ ነቶም ኣብተን መራክብ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዘለው ሰራዊታ ኣቃልቦ እንተትህቦም ምሓሸ" ኢሉ።
እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣሜሪካ ንላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ እስላማዊ ሓይልታት ሰውራ ኢራን ድሕሪ ምቕታላ ዳርጋ ናብ ኲናት ኣምሪሐን ነይረን'የን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







