ቴህራን እንተድኣ ሕነ-ፈድያ፡ ኣሜሪካ 52 ከባብታት ኢራን ዒላማ ከምእትገብር ኣጠንቂቓ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዝደንት ትራምፕ ኢራን ንኣሜሪካውኣን ኮነ ሃፍቲ ኣሜሪካውያን ከይተጥቅዕ ኣጠንቂቑ

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን እንተድኣ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን ኮነ ርእሰ-ማል ኣሜሪካውያን መጥቃዕቲ እንተፈጺማ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ 52 ዒላማታት ኢራን "ቕልጡፍን ከቢድን ስጉምቲ" ከምእትወስድ ኣጠንቂቑ።

ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ርእይቶ ዝሃበ፡ ኣሜሪካ ንላዕለዋይ ጀነራል ኢራን ቃሲም ሶሌማኒ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ምቕታላ ስዒቡ እዩ።

ኢራን፡ ንቅትለት ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ፡ ዓፀፋዊ ስጉምቲ ከምትወስድ ገሊጻ ኣላ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትዊተሩ፡ "ኢራን፡ ንሞት እቲ ጀነራል ሕነ ንምፍዳይ፡ ዒላማታት ኣመሪካ ከምእተጥቕዕ ብዓውታ ትዛረብ ኣላ" ድሕሪ ብምባል፡ ኢራን እንድሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ፈጺማ፡ ኣሜሪካ፡ "ንኢራንን ባህሊ ኢራናውያንን ኣገደስቲ ዝኾኑ 52 ከባብታት ዒላማ ገይራ ከምዘላን፡ ብኸቢድ ከምእተዕንዎን" ኣጠንቂቑ።

"ኣሜሪካ ዝኾነ ምፍርራሕ ኣይትደልን" ክብል'ውን ጽሒፉ።

እዞም ኣሜሪካ ንኽተጥቕዖም ኣነፂራቶም ዘላ 52 ወሰንቲ ከባብታት ኢራን፡ ነቶም ኣብ መወዳእታ 1979፡ ኣብ ቴህራን ካብ ዝነበረ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝተዓገቱ 52 ኣሜሪካውያን ከምዝውክል ድማ እቲ ፕረዝደንት ተዛሪቡ።

ዶናልድ ትራምፕ እዚ ኣብ ትዊተሩ ብሓፂሩ ምስገለፀ፡ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ብጉጅለ ሰርሰርቲ ኢራን መጥቃዕቲ በጺሕዎ።

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ "እዚ መልእኽቲ ካብ ፌደራላዊት እስላማዊ ኢራን እዩ" ዝብል ፅሑፍ ተለጢፍዎ።

"ኣብዚ ዞባ ዘለዉ መሓዙትና ምድጋፍ ኣይነቋርፅን፡ ጭቁን ህዝቢ ፍልስጤም፣ ጭቁን ህዝቢ የመን፣ ህዝብን መንግስትን ሶርያ፣ ህዝብን መንግስትን ዒራቕ፣ ጭቁን ህዝቢ ባሕሬን፣ ኣብ ሊባኖስን ፍልስጤምን ዝርከብ ሓቀኛ ተቓውሞ ሙጂሃዲን፡ እዚኦም ኩሎም ኩሉ ግዘ ብኣና ክድገፉ እዮም" ዝብል ድማ ኣብቲ ድሕረ-ገፅ ተፃሒፉ።

ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ገፁ እንክውቃዕን ብኣፉ ደም ከፍስስን ዘርኢ ምስሊ እውን ተጠቒዑ ነይሩ።

እዞም ሰርሰርቲ በዚ ኣየብቅዑን፡ "እዚ እቲ ንእሽተይ ካብቲ ኢራን ክትገብሮ እትኽእል ክእለት ሳይበር እዩ" ዝብል ናይ መጠንቀቕታ ፅሑፍ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣሜሪካ ፅሒፎም።

ትማሊ ቀዳም እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ግዳይ ቅትለት ኣሜሪካ ዝኾነ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ኣብ ከተማ ባቕዳድ ምስተፈፀመ እዩ፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ትዊተሩ ነዚ መጠንቀቕታ ዝፀሓፈ።

ሓዘንተኛታት ባንዴራ ዒራቕን እስላማዊ ምልሻ ዒራቕን ብምንብልባል፡ "ሞት ንኣሜሪካ" ብምባል ጨሪሖም።

ቃሲም ሶሌማኒ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ቃሲም ሶሊማኒ፡ ኣብ ኢራን ካብ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ኢራን ኣያ ቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ቀፂሉ፡ እቲ ካልኣይ ፀላዊ ሰብን ናይ ኢራናውያን ጅግናን ነይሩ

ድሕሪ እዚ ናይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከበሉ ሓምለዋይ ዞባ ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበለ መጥቃዕቲ ሮኬት ነቲ ከባቢ ኣናዊፅዎ።

ይኹን እምበር በዚ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ዝተጎድአ ከምዘየለ ሰራዊት ዒራቕ ኣፍሊጡ። ዋላ እኳ ዛጊድ ነዚ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እንተዘየለ፡ ኣብ ቀረባ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግና፡ ደገፍቲ ምልሻታት ኢራን ተነቒፎም ነይሮም እዮም።

ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ቓሲም ሶሊማኒ፡ ኣብ ኢራን ካብ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ኢራን ኣያ ቶላህ ዓሊ ኻመኒ ቀፂሉ፡ እቲ ካልኣይ ፀላዊ ሰብን ናይ ኢራናውያን ጅግናን ነይሩ።

ኣሜሪካ ግና ንጀነራል ሶሌማኒን ነቲ ንሱ ዝመርሖ ሰውራዊ እስላማዊ ሓይሊ ኩዱስን፡ ኣብ መዝገብ ግብረ-ራዕዲ እያ ሰኒዳቶም ፀኒሓ።