ኤርትራ፡ 19 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም

ካቴድራል ኣስመራ

ኣብ ኤርትራ 19 ሓደስቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከም ዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ንሳቶም፡ ኣብ ዞባታት ደቡብን ጋሽ-ባርካን ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ተታሒዞም ዝጸንሑ እዮም።

ኩሎም “ብፍኑው” ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝኣተዉ ምዃኖም’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እቶም ዝበዝሑ፡ 15 ካብኦም፡ ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ 2 ኣብ ገርገፍ፡ 1 ዓሊ-ግድር፡ 1 ድማ ኣብ ሰንዓፈ ተረኺቦም።

በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ 42 ሰባት ግን ሓውዮም ከም ዝተፋነዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ፡ ቀጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት 251 በጺሑ’ሎ።

ካብዚኦም ዛጊት 149 ክሓውዩ እንከለዉ፡ 102 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ኤርትራ፡ ነቲ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ዝኣወጀቶ ዕጽዋ፡ ከተፍኩሶ ጀሚራ ኣላ። ድሮ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ ተኸፊተን ኣለዋ።

መጓዓዝያን ካልእ ምንቅስቓሳት ግን ሕጂ’ውን ብወግዒ ተኣጊዱ ወይ ተደሪቱ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኮሮና