ስርዓተ-ጾታ፡ ናይ ጓልን ወድን ብልዕቲ ሒዘ ተወሊደ

ኤሪክ ምስ ክልቲኡ ስርዓተ መፍረ (ርሕምን መትሎን) ተወሊዱ

ምንጪ ስእሊ, Rachaphon Riansiri/BBC Thai

መግለጺ ስእሊ, ኤሪክ ምስ ክልቲኡ ስርዓተ መፍረ (ርሕምን መትሎን) ተወሊዱ

"ምሉእ ህይወተይ ብናይ ሐሶት መንነት ይነብር ነይረ። ሰባት ውሽጣዊ መንነተይ ምስ ፈለጡ፡ ይጸርፉኑን የላግጹለይን ነይሮም። ብሰንኪ'ዚ ለይትን መዓልትን የስቁርቁር ነይረ" ይብል ኤሪክ፡ (ነዚ ዛንታ ሽሙ ተቐይሩ)።

ንሱ፡ ጭደል [ናይ ክልቲኡ ጾታ ኣካላት መፍረ ዘለዎ ሰብ] እናሃለወ፡ ከም ጓል'ዩ ዝፍለጥ ነይሩ።

ክዓቢ እንከሎ፡ ክልቲኡ ስርዓተ መፍረ (ርሕምን መትሎን) ከም ዘለዎ ኣይፈልጥን ነይሩ።

ስድርኡ፡ ከም ጓል ክናብይዎን ከዕብይዎን እንከለው ስለ ዘይፈትዎ፡ ዳሕራይ ምስ ግዜ ክዳን ደቂ-ኣንስትዮ ምኽዳን እናጸልኦ መጸኡ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ምስ ኣወዳት ምጽዋትን ምኻድን ይፈቱ ነይሩ። ብቐጻሊ ከኣ ወዲ እንተዝኸውን ኢሉ እናተመነየ ዓቢዩ።

ኤሪክ ድልየቱ ብማሕበረ-ሰብ ተቀባልነት ንኽረክብ ድማ ነዊሕ ጉዕዞ ጀሚሩ።

ካብ ስፖርት ተገሊፉ

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ምስ ተጸንበረ፡ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ጭዋዳታት ከማዕብል ስለ ዝጀመረ እቲ ኣካላዊ ለውጥታት ምስ ሓዲሽ ምዕራፍ ህይወቱ ኣራጺምዎ።

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ከም ጓል ይወዳደር ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ውድድር ዓወትን ዝናን ክረክብ ጀሚሩ። ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ናይ ኣትሌት ክብረ-ወሰን የመዝግብ።

ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ከተማ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድድር ብምስዓር፤ ንሃገሩ ታይላንድ ክውክል ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን ግን ባህጉ ተኾሊፉ።

ብጾታኡ ዝተጠራጠሩ ሰባት፡ ንክምርመር ጥርዓን ኣቕሪቦም። እቲ ዝተገብረ መርመራ ከኣ ብዘይጥርጥር ናይ ወዲ-ተባዕታይ ክሮሞዞም (chromosomes) ተረኺቡዎ።

ሽዑ ንሽዑ ድማ ካብቲ ወድድር ተሰጒጉ።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ዝነበሮ ደስታን ሓጎስን ብቕልጡፍ ናብ ሻቕሎትን ስግኣትን ተለዊጡ።

ስድርኡ፡ ከም ጓል ክናብይዎን ከዕብይዎን እንከለው ይፈትዎ ኣይነበረን

ምንጪ ስእሊ, Rachaphon Riansiri/BBC Thai

ናይ ህይወት ሕልኽልኽ

"ነቲ ውጽኢት ምስ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ሓደ ሰብ ካብ ነብሰይ ገለ ቀንጢጡ ዝወሰደለይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ንምሉእ ህይወተይ ከም ጓል እየ ዓቢየ። ከም ካልኦት ደቂ-ኣንስትዮ ርሕሚ ኣለኒ" ይብል።

"ኣነ መን እየ? ናብ ምንታይ እየ ተቐይረ? ብምባል ሓፊረን ተናዊጸን። ካብ ሰባት ድማ ክሕባእ ጀሚረ" ይብል ኤሪክ።

ኣዕሩኹቱን ኣብ ከባቢኡ ብዝነበሩ ሰባትን፡ ኣንታ "ጭደል" ኢሎም ይጸርፍዎ ነይሮም።

ሓደ እዋን፡ ምስ ሓንቲ መሓዝኡ እንከሎ፡ ጾታዊ ስምዒቱ ተበራቢሩ። ሽዑ፡ መትሉኡ ካብ ውሽጢ ርሕሙ ክወጽእ ተሰሚዕዎ።

"ጽሕፍቶይ ዝተወድአ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ኣይኮንኩን። ኣብ ዓለም፡ ቦታይ ኣበይ ምዃኑ ጠፊኡኒ። ዓቕለይ ጸቢቡኒ፡ ሰባት ከይጸርፉኒ ናብ ትምህርቲ ምኻድ ገዲፈዮ። ስድራይ ብዛዕባ ዘሕልፎ ስቓይ ይፈልጡ ነይሮም፡ ግን ዝገብሩዎ ኣይነበሮምን። ህይወተይ ማህሚኑ ነይሩ" ይብል።

ሓዲሽ ህይወት

ኤሪክ፡ ካብቲ ዝነበሮ ከተማ ሓዲሽ ህይወት ንምንዳይ ናብ ከተማ ባንኮክ ይኸይድ። ከም ሰበይቲ ኮይኑ ድማ ስራሕ ጀሚሩ።

ኣብ ታይላንድ ኣስማት ሰባት ምስ ጾታ ዝተኣሳሰሩ እዮም። ኣቶን ወይዘሮን ተባሂሉ ስለ ዝፈላለ፡ ሽምካ ሓንሳብ ምስ ተመዝገበ ክትቅይሮ ሕጋዊ ሕልኽላኽ ኣለዎ።

መሳርሕቱ ከም ሰብኣይ እዮም ዝርእዩዎ። ነቲ ስራሕ ግን ከም ሰበይቲ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ምስኡ ክኸዱ ኣይደለዩን።

እተን ደቂ-ኣንስትዮ መሳርሕቱ ምስኡ ቀንጠብጠብ ይብላ እኳ እንተነበራ ሶዶመኛታት ከይበሃላ ፈሪሐን ምስኡ ርክበን ኣቋሪጸን።

ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ተነጽሎን ደቂቕ መርመራን ክጻወር ተገዲዱ። ድሕሪኡ ሓዲሽ ስራሕ ረኺቡ፡ ሕጅስ ይሓልፈለይ ይኸውን'ዩ እናበለ ኣብ ካልእ ጸገም ወዲቑ።

'ናይ ሐሶት መንነት'

ኤሪክ፡ "ኣብቲ መጀመርታ ኩሉ ነገር ጽቡቕ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ሰሙናት ግን መን ምዃነይ ክፈልጡ ክኢሎም። እቲ እዋን ዝኽፍኣ እዩ ነይሩ። ገለ ሰብኡት ኣውዲቖም ንብልዕተይ ክትንክፉንን ክጥምቱን ጀሚሮም። እቲ ተመኩሮ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝኸፍኣ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል" ይብል።

ንኤሪክ፡ እቲ ዘጋጥሞ ተመኩሮታትን ሕፍረትን ክጻወሮ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ክኸይድ ጀሚሩ።

መንነቱ ሓቢኡ ስራሕ ከናድን፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስቲ ወርሒ ድማ ስራሕ ክቕይርን ይግደድ ነይሩ።

ነቶም ሰበስልጣን ንምድንጋር፡ ሓንሳብ ከም ሰብኣይ ሓንሳብ ከኣ ከም ሰበይቲ ተመዝጊቡ ይሰርሕ ነይሩ።

ብኸምዚ ንብዙሕ ዓመታት ሰሪሑ-ብዙሓት መሓዙት'ውን ኣጥሪዩ። ሓንቲ ካብተን መሓዙቱ 'ፍቕሪ ናይ ህይወተይ' ዝብላ ጓል'ውን ተላሊዩ።

"ምስ ተላለኽዋ ህይወተይ ካልእ ትርጉም ክሕዝ ጀሚሩ። ኣብ ኩሉ ክትድግፈንን ኣብ ጎነይ ደው ክትብልን ጀሚራ። ንኩነታተይ ተረዲኣ ከይተሓለለት ሓጊዛትኒ" ይብል።

ቁሩብ ገንዘብ ኣዋህሊሉ ንእሽተይ ድኳን ከፊቱ፡ ኣብ ነጻ ግዚኡ ከም ኤልክትሪሻን እናሰርሐ እኹል እቶት ክገብር ጀሚሩ። ንገለ ዓመታት ድማ ኣብ ህይወቱ ሩፍታ ረኺቡ።

ኩሉ ነገር ደሓን ኣሎ ኢሉ እናሐሰበ ግን እታ ዘፍቅራ ዓርኩ ደሓን ኩን ከይበለቶ ሃንደበት ተሰዊራ።

ኤሪክ ኣብ ከተማ ባንኮክ

ምንጪ ስእሊ, Rachaphon Riansiri/BBC Thai

ቅልውላው

"ድንግርግር ኢሉኒ። እንታይ እየ በዲለያ? ስለምንታይ ሃንደበት ገዲፋትኒ? ክደልያ ዝከኣለኒ ጽዒረ፡ ንስድራኣ ሓቲተ፡ ንሶም'ውን ኣበይ ከም ዘላ ክፈልጡ ኣይከኣሉን። ቴሌፎን ደዊለ ክረኽባ ኣይከኣልኩን። ንሰሙናት ክረኽባ ኢለ ዘይኣተኽዎ ቦታ ኣይነበረን ግን ኣይሰለጠንን። በቃ ተስፋ ቖሪጸ ሞት ተመንየ"።

ኤሪክ፡ ነብሱ ክቐትል ክብል፡ ብጌጋ ኣብ ጥቑኡ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ማሽን (ATM) ምስ ሃረመ እቲ ኣላርም ንፖሊስ ሓበሬታ ልኢኽሎም።

እቶም ፖሊስ ድማ ብስርቂ ከሲሶም ኣሲሮሞ። ነብሰይ ክቐልትል ክብል እየ ተንኪፈያ እንተበለ ዝኣምኖ ስኢኑ። ቤት-ፍርዲ ገበነኛ እዩ ስለ ዝበሎ ንሽዱሽተ ወርሒ ተኣሲሩ።

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ፡ ፖሊስ ጾትኡ ክፈልጡ ኢሎም ኩለንትናዊ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ኣዚዞም።

ድሕሪ ዓሚቑ ዝርርብ ድማ ኣብቲ ናይ ኣወዳት ቤት-ማእሰርቲ ከይዕመጽ ኢሎም ናብቲ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ቤት-ማእሰርቲ ኣሰጋጊሮምዎ።

"ርሕሚ ስለ ዝነበረኒ ብኣወዳት ከይዕመጽ ፈሪሖም" ይብል ኤሪክ።

ናብራ ቤት-ማእሰርቲ

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ሕጉስ ናብራ ከሕልፍ ጀሚሩ። እተን ደቂ-ኣንስትዮ ጽቡቕ ክኸናኸንኦ ጀሚረን። ንመጀርታ ግዜ ጽቡቕ ናብራ ዘስተማቐረላ እዋን እያ ነይራ።

"ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህይወተይ ፍስሃ ዝመልኦ-መርቱሓ ነይሩ" ይብል እተን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዝገበረላሉ ክንክን እናዘከረ።

"ፍርደይ ወዲኣ ምስ ወጻእኩ ናብቲ ዝነበርክዎ ከርፋሕ ናብራ ተመሊሰ። ስራሕ እንተደለኹ ገበነኛ ኔርካ ኢሎም ክነጽጉኒ ጀሚሮም" ይብል ኤሪክ።

እዚ ናብራ ኣይኮነን ብምባል ድማ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ክምለስ ውጥን ኣውጺኡ። ገንዘብ እተውጽኣሉ ናይ (ATM) ማሺን ክቖርጽ ብፖሊስ ተታሒዙ ንኽልተ ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ።

"ኣብዚ እዋን ብዘይ ገለ ጥርጥር ናብ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ቤት-ማእሰርቲ ደርቢዮምኒ። ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ክወጽእ ድልየት ስለ ዘይነበረኒ ንሕጊ እቲ ማሕቡስ ክሰብሮ ጀሚረ" ይብል።

እንተኾነ፡ እቲ ዝሓንጸጾ ውጥን ኣይሰለጠን፤ ቀልጢፎም ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ኣውጺኦሞ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ክምዝገብ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Rachaphon Riansiri/BBC Thai

መውጽኢ መገዲ

ኤሪክ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተዳጒኑ እንከሎ፡ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ብዛዕባ ናይ ጸታ ጸገማት ክምህርዎም "ክልተ ጾታ" ዘለዎም ሰባት ክብል ንመጀመርያ ግዜ ይሰምዖም።

ነዛ ዕድል ተጠቒሙ ምኽሮም ብምሕታት ከኣ ነቲ ናይ ጓል-ኣንስተይቲ ጾታ ጉሒፉ ከም ወዲ-ተባዕታይ ክፍለጥ ሕጋዊ መስርሕ ጀሚሩ።

ኤሪክ፤ ክሳብ ወረቃቕቱ ዘዳሉ ብስቱር ናይ ዋርድያ ስራሕ ክሰርሕ ተቖጺሩ። ንልዕሊ ሐሙሽተ ወርሒ ድሕሪ ምቅላስ ድማ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ክሮሞዞም ከም ዘለዎ ዘርኢ ናይ ሓኪም ወረቐት ረኺቡ።

ኣብ መወዳእታ እታ ንሱ ብሃንቀውታ ዝጽበያ ዝነበረት መዓልቲ ደበኽ ኢላ።

24 ሰነ ናይ ንግሆ፡ ወረቓቕቱ ሒዙ ናብታ ዝተወልደላ ከተማ ከም ወዲ ክምዝገብን ክፍለጥን ጉዕዝኡ ጀሚሩ።

እቲ ዝወጠኖን ዝሓልሞን ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከንቱ ከይከውን ከብዱ ሓቑፉ ይጽሊ ነበረ። ይኹምን እምበር፡ ሕጂ'ውን ካብቲ ዝፈርሖ ኣይወጽአን።

እቲ ዝተቐበሎ በዓል-መዚ፡ እንታይ ምዃንካ ወይ መንነትካ ዝገልጽ እኹል ሰነድ የብልካን ኢልዎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ዝፈልጡኻ መሓዙትካ ወይ ወለድኻ ክምስክሩል ሒዝካዮም ምጻእ ተባሂሉ።

ኤሪክ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ናብ ስድራ ቤቱ ከይዱ።

ኤሪክ ሕቶኡ ተመሊሱሉ ድልየቱን እውን ሰሚርሉ

ምንጪ ስእሊ, Rachaphon Riansiri/BBC Thai

ኣፍልጦ ረኺቡ

ንጽባሒቱ፡ ንወላዲቱን ካልኦት መኻፍልቲ ምስጢሩን ሒዙ ናብቲ ቤት-ጽሕፈት ከይዱ።

እቲ በዓል-መዚ፡ ነቲ ጉዳይ ብኸመይ ከም ዝሕዞ ምርዳእ ኣቢይዎ ኣብ ባንኮክ ምስ ዘለው ሰበስልጣን ክዛረብ ሰዓታት ኣሕሊፉ። እዚ ድማ መሊሱ ንኤሪክ ካልእ ሻቕሎት ፈጢሩሉ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ሕቶኡ ተመሊሱሉ ድልየቱን እውን ሰሚርሉ።

እንተኾነ ግን፡ ሕጋውነት እቲ ሒዝዎ ዝመጽአ ሰነድ ንምርግጋጽ ከም ብሓዲሽ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ተገዲዱ። ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ ኩሉ ከርተት ሓዲሽ ሽምን ጾታዊ መንነትን ረኺቡ።

"ሕጂ ንነብሰይ ካብ መከራ ከውጽኣ ይኽእል እየ። ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። ነቲ ናይ ሓሶት መንነት ደርቢየ ሓዲሽ ምዕራፍ ህይወተይ ብዘይ ፍርሒ ክጅምር ድልው ኣለኹ" ድማ ይብል።