ኬንያ፡ ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንክልተ ሰብኡት ክትምርዖ ተገዲዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል 12 ዓመት ቖልዓ'ኳ እንተኾነት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ግን ብዕድመ ካብኣ ንዝዓብዩ ክልተ ሰብኡት ክትምርዖ ተገዲዳ።
እዛ ቖልዓ፡ ኣብ ኬኒያ ዞባ ናሮክ ትነብር። ወላዲ ኣቡኣ መጀመርታ ንወዲ 51 ዓመት ሰብኣይ ክትምርዖ የገድዳ።
'እምብለይ ጠንጠነለይ' ኢላ ክትሃድም እንከላ፤ መሊሱ ካብኡ ብዕድመ ንእስ ንዝበለ ካልእ ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይ ክትምርዖ ይገብር።
ኣብ ኬኒያ፡ 18 ዓመት ዘይመልኣ ጓል ኣንስተይቲ ምምርዓው ገበን'ኳ እንተኾነ፡ ብዙሓት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ግን ንመርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝተቓልዓ እየን።
ነዛ ጓል 12 ዓመት ዝረኸባ ሓደ ትካል ተሓላቒ መሰላት ህጻናት ኮይኑ፡ ንኻልእ ተመሳሳሊ ሓደጋ ተቓሊዓ ዝነበረት ቖልዓ ኣብ ምድሓን ኣብ ዝተዋፈረሉ እዋን'ዩ ረኺቡዋ።
"ወላዲ ኣቡኣ ንሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ክትምርዖ ምስገበረ፡ ንሳ ድማ ኣማራጺ ስለ ዘይነበራ ነቲ ብዕድመ ንእስ ዝበለ ክትምርዖ ተገዲዳ" ኢሉ ሰራሕተኛ ማሕበር ሰላም ዞባ ናሮክ ጆሽዋ ካፑታህ።
ድኽነትን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጥረ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርትን፡ ብርክት ዝበላ ህጻናት ንግዱድ መርዓ የቃልዐን ከም ዘሎ ይዛረብ።
"ገሊኦም ስድራ ጠምዮም ስለ ዘለው፡ ብክልተ ወይ ሰለስተ ከፍቲ ደቆም ኣግዚዞም ምምርዓው ይመርጹ ኣለው" ኢሉ።
ጋዜጣ ስታንዳርድ ኬኒያ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ናይ መጀመርታ መርዓዊ ኣርባዕተ ኣላሕም ንገዝሚ ምስሃበ፡ እታ ቖልዓ ኣይምርዓውን ኢላ ክትቃወም እንከላ፡ ኣኮታታ ሃሪሞምዋ እዮም።
"ሃዲመ፤ ግን ተግሳጽ ፈሪሐ ናብ ናይ ወላዲ ኣቦይ ገዛ ክምልስ ስለ ዘይኽእል፤ ነቲ በዓል ሓዳር ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይ ተመርዒወዮ" ምባላ ጋዜጣ ስታንዳርድ ገሊጹ።

ወላዲ ኣቡኣ ነቲ ወዲ 51 ዓመት ሰብኣይ ከም ዘመርዓዋ፡ ሰራሕተኛ ማሕበር ሰላም ዞባ ናሮክ ጆሽዋ ካፑታህ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ካፑታህ ምስ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብቲ ቦታ ምስ ከደ ድማ እቲ ኣቦ ኣይተረኽበን።
ፖሊስ፡ ነቲ ሰብኣይን ንክልቲኦም ነዛ ቖልዓ ዝተመርዓው ሰብኡትን ይእልሾም ኣሎ።
ገበነኛ ኮይኖም እንተድኣረኺቡዎም፡ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ወይ'ውን መቕጻዕቲ ሓደ ሚሊዮን ሽሊንግ ኬኒያ [10 ሽሕ ዶላር] ክፍረዶም'ዩ።
መርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ማሳይ ተባሂሎም ኣብ ዝጽውዑ ማሕበረሰብ ኬኒያ ዝተለምደ ስለ ዝኾነ፡ ዓብዪ መዘራረቢ ዛዕባ'ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ማሳይ ደቂ ተባዕትዮ ከም ሃብቲ ስለ ዝቖጽሩወን፡ ብላውጣ ኣሓ፡ ወላዲ ኣቡአን ንዝመረጸለን ሰብኣይ ይምርዓዋ።
መንግስቲ ነዚ ባህሊ ንምስባር ጻዕሪ'ኳ እንተገበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብምኽንያት ድኹም ኣተገባብራ ሕጊ ዘዕግብ ለውጢ ኣይመጽአን።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







