ሞዴል ቅሳነት፡ "ልዑል ቑጽሪ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን ነይረ"

ሞዴል ቅሳነት ሞላ

ምንጪ ስእሊ, Kisanet Molla

ብ2006 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ተምሃሪት ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ እንከላ፡ ኣብ ውድድራት ጽባቐ ክትሳተፍ ጀሚራ።

ድሕሪ እዚ፡ ትምህርታ እናተኸታተለት ነቲ ዓውዲ ብዕቱብ ክትነጥፈሉን ክትሰርሓሉን ጀሚራ። ኣብ መወዳእታ 2007 ድማ 'ሚስ መቐለ' ኮይና ተሸሊማ።

ሞዴል ቅሳነት ሞላ፡ ኣብ መቐለ ተወሊዳ ዓብያ። ተወዳዳሪት ጽባቐ ናይ ምዃን ድልየት'ኳ እንተዘይነበራ፡ ኣብ ምርጫ ኽዳን ዓይና ዘይትሓሲ ስለ ዝነበረት ግን፡ ዝንባለ ሞያ ቅዲ ኽዳን ከም ዝነበራ ትዛረብ።

ንሳ ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ተሳታፊት ውድድር 'ሚስ ኢንተርናሽናል ፕረግረስ' እያ።

"ኣርቲስት ናይ ምዃን ድልየት'ውን ነይሩኒ። ናይ ፋሽን መጽሔታት ከንብብ ምስ ጀመርኩ ግን፡ ፋሽንን ውድድር ጽባቐን ዝንባለይ እናገዝአኒ ክኸይድ ጀሚሩ" ትብል።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ ብሞያ ነርስ ቀዳማይ ዲግሪ ሒዛ ዝወጽአት ሞዴል ቅሳነት፡ ብ2017 ሚስ ዎርልድ ኢትዮጵያ ኮይና ኣብ ውድድር 'ሚስ ዎርልድ' ተሳቲፋ።

ሞዴል ቅሳነት ሞላ፡ ኣብ 2017 ሚስ ኢትዮጵያ ኾይና ኣብ ሚስ ዎርልድ ኢትዮጵያ ወኪላ ተሳቲፋ

ምንጪ ስእሊ, kisanet Molla

መግለጺ ስእሊ, ሞዴል ቅሳነት ሞላ፡ ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊት ተሳታፊት ውድድር 'ሚስ ኢንተርናሽናል ፕረግረስ' እያ

ኣብ 4 ጥቅምቲ 2019፡ ኣብ ጥልያን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ፡ ባህላዊ ኣከዳድና ኣብ ኦሮሚያ ናይ ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ 'ኣርሲ ሃደ ስቄ' ተኸዲናን ባህለዊ መጋየጺታትን ሒዛ ቐሪባ።

line

ሚስ ፕሮግረስ ኢንተርናሽናል

  • ኣብ ምውህሃድ ባህሊ፣ ስነ-ከባቢ፣ ጥዕናን ሰብኣዊ መሰላትን ዘተኮሩ ፕሮጀክታት መጽናዕቲ ሒዘን ዝቀረባ ተወዳደርቲ ስነ ጽባቐ ተሳቲፈን
  • ኣብዚ ውድድር፡ 22 ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ውድድር ሓሊፈን፡ ሓሙሽተ ብሉጻት ድማ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ተዓዊተን
  • እዚ ውድድር ን 7ይ ግዜ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ጫካ ኣማዞን ክፍጠር ብዛዕባ ዝኽእል ዕድላት ስራሕ ዝሕብር ፕሮጀክት ስነ-ከባቢ ሒዛ ዝቐረበት ጓል 26 ኮሎምቢያዊት ቨነሳ ጊራልዶ ሎፔዝ፡ 'ሚስ ፕሮግረስ ኢንተርናሽናል' ኮይና ተሓርያ
  • ብተወሳኺ፡ ባህላዊ መጸባበቒ ዝመጽኣሉ ሃገር ዘቕረባ እተን ተወዳደርቲ፡ ካብኣን ሓንቲ ዝኾነት ሞዴል ቅሳነት ሞላ ብዓውዲ 'ሃገራዊ ኣከዳድና' እዚ ውድድር ተዓዊታ
  • ነዚ ውድድር ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ መውሃቢ ድምጺ ኢንተርነት፡ እታ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበት ካብ ሆንድራስ ዝመጽአት ሞዴል ሂዘር ሮድሪገዝ እያ
line

"ስድራይትግራይ ጥራሕ ክፈቱ ኣየዕበዩንን"

'ስንቄ' ወይ 'ስቄ'፡ ኣብ ኣደታት ኦሮሚያ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰት ዝመጽአት በትሪ'ያ።

እዛ በትሪ፡ ብመሰረት ስርዓት ገዳ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ዓርሰን ንምክልኻል ይጥቀምኣ።

ዝተመርዐወት ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ኣዴታታ በትሪ 'ስንቄ' ተቐቢላ'ያ ናብ በዓል ቤታ ትኸይድ። እዛ ምልክት ሓይላ ዝኾነት በትሪ፡ ኣብ ውሽጢ ስድርኣ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ትከላኸለላ።

እዚ ባህላዊ ሕጊ፡ በዓልቲ ሓዳር ዝኾነት ሰበይቲ ኣይኮነን'ዶ ክትህረም፡ ክትጽረፍ ወይ ክትብደል የብላን እዩ ዝብል። ነዚ ረጊጹ ዝፍጸም ነገር ኩሉ ገበን ይኸውን።

ብመሰረት እዚ፡ ብዝተኽኣለ መጠን ክብርታት እታ ጓል ኣንስተይቲ ብምሕላው፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዋ ጽልዋ ናይ ባዕሉ ቦታ ክረከብ ዝገብር'ዩ ተባሂሉ ይእመን።

እዚ፡ ባህላዊ ውርሻ ህዝቢ ኦሮሞ ብሄረሰብ ደቂ ኣንስትዮ ኣርሲ'ዩ።

ኣብ ውድድር 'ሚስ ፕሮግረስ ኢንተርናሽናል' ብ 'ሃገራዊ ኣከዳድና' ዝተዓወተት ሞዴል ቅሳነት ሞላ፡ ናይዘን ኣደታት ኣከዳድና፣ መጋየጽን፣ ምልክት ሓርነተን ዝሰምይኣ በትሪ ሃደ ስቄን ርሑስ ቖስልን ኣቕሪባ።

"ናብ ከምዚኦም ዝበሉ መድረኻት፡ ኢትዮጵያ ወኪልካ ክትኸይድ ከለኻ መጸውዒኻ'ውን ኢትዮጵያ'ዩ ዝኸውን። ብዙሕ ሚልዮን ህዝቢ ወኪለ እንትኸይድ ድማ፡ ናይ ዓደይ ባህልን ትሕዝቶን ከላሊ ኣለኒ። ሕዚ ክዳን ኣዴታት ሃደ ስቄ ተኸዲነ ክኸይድ ከለኹ፡ ብዛዕባ እታ ዝሓዝኩዋ ንኡሽቶ ርሕስቲ ቖጽሊ ከይተረፈ'ዮም ሓቲቶምኒ"።

ቅሳነት፡ ብዝረኸበቶ ውጽኢትን ሒዛቶ ብዝቐረበት ባህላዊ ትሕዝቶ ህዝቢ ኦሮሞን ኣዝያ ሕጉስቲ'ያ።

ኢትዮጵያውያን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ድምቀት ኢና እትብል ሞዴል ቅሳነት፡ ኣብዚ ሰዓት "ኣነ ናይ ካልእ ሰብ ባህሊ ብምኽባረይ፡ ኩሉ ሰብ ክሕጎስ ኣለዎ ኢለ'የ ዝሓስብ"።

ኣብ ሕሉፍ ዝተሳተፈትሎም መድረኻት ውድድር ጽባቐ፡ ባህሊ ትግራይ ዘላልዩ ስርሓትን ትሕዝቶታትን ሒዛ ትቐርብ ምንባራ እትዛረብ ሞዴል ቅሳነት፡ "ጓል ትግራይ ስለ ዝኾንኩ ወይ ናይ ትግራይ ዘርኢ ሓረግ ስለ ዘለኒ ግን፡ ኩል ግዘ ናይ ትግራይ ጥራሕ ከላሊ ኣለኒ ዝብል እምነት የብለይን" ትብል።

"ኣነ ውጽኢት ኣተዓባብያን ኣተሓሳስባን ትግራይ'የ፤ ካልእ ዘርኢ ዘለዎም ሰባት ልክዕ ከም ትግራዎት ምሳና ብሓባር እናነበሩ እናርኣኹ ስለ ዝዓበኹ፡ ስድራይ ንትግራይ ጥራሕ ንክፈቱ ገይሮም ኣየምሃሩንን፤ ኣየዕበዩንን። ትግራዋይ'ውን ናይ ካልእ ከይትኽደን ከይተኽብር ዝብል ኣይኮነን"።

ትሕቲዕድመ መርዓ

ሞዴል ቅሳነት ሞላ፡ በዓልቲ ሞያ ነርስ'ያ። ብ2009 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ ተመሪቓ ምስ ወጽአት፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ተቖጺራ ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ ሰሪሓ።

'ሞዴሊንግ' ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሙሉእ ግዘ ስራሕካ ጌርካ ክትሰርሐሉ ዘይትኽእል ጌና ዘይዓበየን ወቕትታት ሓሊዩ ዝመጽእን ኢንዳስትሪ ምኻኑ ብምግላጽ፡ ሕጂ ኣብ ምእካብ መረዳእታ ትሰርሕ ምህላዋ ትዛረብ።

"ኣብ ሕክምና፡ ክሳዕ ሞት ሰባት ስለ እትርኢ፡ ስራሕ ነርሲንግ ይኸብደኒ ነይሩ። ክመልኮንን ብግብሪ ክመሃሮን ስለ ዘለኒ ግን፡ ብልዑል ጠመተ ካብ ልበይ ይሰርሕ ነይረ። ሕዚ ግን፡ ኣብ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስራሕ ይሰርሕ ኣለኹ። ኣብ ስርሐይ ትኩርቲ እየ"።

ሞዴል ቅሳነት ሞላ

ምንጪ ስእሊ, Kisanet Molla

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሕማም ፌስቱላ ደቂ ኣንስትዮ ዘካየደቶ መጽናዕቲ ብምሓዝ ኣብ ውድድር 'ሚስ ፕሮግረስ ኢንተርናሽናል' ዝተዓወተት ቅሳነት፡ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ፡ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝምርዐዋ ትገልጽ።

ደቂ ኣንስትዮ ዝውከላሎምን መሰለን ዘኽብራሎምን ከም ኣሸንዳ፣ ስርዓት ኣደታት ሃደ ስቄ ዝበሉ በዓላትን ስርዓትን ኣብ ዘለሉ ማሕበረሰብ ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ምህላዎም ዘደንግጽ ምኻኑ'ያ ትዛረብ።

"ኣብዚ ውድድር ብዛዕባ ሃደ ስቄ ከውግዕ ከለኹ፡ እቲ ባህሊ ብዓይኒ ሰብኣዊ መሰላት፣ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነትን ኣስፊሖም'ዮም ርእዮምዎ። ከምዚ ዓይነት ናጽነት እናሃለወክን ከመይ ኢሉ ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ ዕድመ ይምርዐዋ? ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ዘይፈልጣ ደቂ ኣንስትዮ ይህልዋ? ኢሎም ተገሪሞም'ዮም" ትብል።

መጽናዕቲ ኣብ እተካይደሉ እዋን ቑጽሪ ትሕቲ ዕድመ መርዓ 'ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን'ዩ' ዝብል ግምት ከም ዝነበራ ዘልዓለት ቅሳነት፡ ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ግን ካብ ልዕሊ 40 ክሳብ 50 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝምርዐዋ ትዛረብ።

"ፌስቱላ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ብዙሕ ምዃኑ'የ ርእየ። እዚ ምልክት ትሕቲ ዕድመ መርዓ'ዩ። ኣብ ገጠራት፡ እቲ መርዓ ሕጋዊ ልባስ ክህቡዎ እንትደልዩ፡ ዕድመ እናጋገዩ የመርዕውወን። ልዕሊ 50 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ይምርዐዋ ምህላወን ምፍላጥ ግን ንዓይ ዘደንግጽ ነይሩ"።

እዚ ማሕበረሰባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ፡ ግንዛበ ኣብ ምዕባይ፣ ደቂ ኣንስትዮ ውሳነ ወሃብቲ ክኾና ኣብ ምግባርን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብ ምስራጽን ትኹረት ገይራ ክትሰርሕ ትደሊ።

"ሕብረተሰብና ጓል ኣንስተይቲ እንተጎቢዛ፣ ወርሓዊ ጽግያት እንተርእያ፡ ናብ ወዲ ተባዕታይ ክትኸይድ እያ ዝብል ኣረኣእያ ከም ዘለዎ'የ ብመጽናዕተይ ረኺበ። ክትምርዖ ዘለዋ ድንግል ኮይና እያ ዝብል ኣተሓሳስባ'ውን ስለ ዘለዎ፡ ቀልጢፉ ክትምርዖ ይገብር" ብምባል እቶም ንትሕቲ ዕድመ መርዓ ምኽንያት ዝኾኑ ጸገማት ትጠቅስ።

ብምኻኑ ድማ፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝኽሰት ፌስቱላ ኮነ ካልኦት ጸገማት ጥዕና ንምቕራፍ፡ ኣቲ ዝምርወን ሰብ፣ ወለድን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ቐጻሊ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ክስርሑ ከም ዘለዎም ተረድእ።

ሞዴል ቅሳነት ሞላ

ምንጪ ስእሊ, Kisanet Molla

line

ሞዴል ቅሳነት ሞላ

  • ኣብ ውድድር 'ሚስ ፕሮግረስ ኢንተርናሽናል' ድሕሪ ዝረኸበቶ መዓርግ 'ሚስ ሃገራዊ ኣከዳድና' ናይ ኢትዮጵያ ተወካሊት ዝገብራ ፍቓድ ረኺባ
  • ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝካየድ 'ሚስ ፕላስ ሳይዝ'
  • ከምኡ'ውን ኣብ ለንደን ኣብ ዝካየድ ውድድር 'ወይዘሮን ወይዘሪትን' ተወካሊት'ያ
line

እቲ ዝተዓወተትሉ ፕሮጀክት ፌስቱላ፡ ብቐጻሊ ዘምጽኦም ሓገዛት ገንዘብን ካልእን ኣብ ሆስፒታል ፌስቱላ ሃምሊን መቐለ ንዘለዋ ተሓከምቲ ፌስቱላ ከም ዝውዕል ሞዴል ቅሳነት ገሊጻ።

ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ኣረኣእያ፣ ታሪክ ኣብ ዳስ ዝመሃሩ ተምሃሮ ምቕያር ዝብሉ ፕሮጀክታት ሒዛ ከም እትነጥፍ ብምግላጽ፡ ንባህላዊ ውርሻታትን መንነትን ዝተፈላለዩ ብሄራት ኢትዮጵያ ንምልላይ ዝሕግዙ፡ ሃገራዊ ናይ ፋሽን ምርኢታት ንምክያድ መደብ ከም ዝሓዘት ተዛሪባ።