ኬንያ፡ ብኦክስፎርድ ኣብ ዝካየድ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትሳተፍ'ያ

በዓልቲ ሞያ ላቦራቶሪ

ምንጪ ስእሊ, ReuterCopyright

ኬንያ ብኣስትራ ዜኔካን ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ማዕቢሉ ኣብ ሰባት ንዝካየድ ናይ መወዳእታ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክትሳተፍ'ያ ተባሂሉ።

ኣብዚ ፈተነ ክትሳተፍ ብምዃና ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀጺላ ካልአይቲ ሃገር ኮይና'ላ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1,000 ሰባት ኣብ መስርሕ'ቲ ሓድሽ ክታበት ኮቪድ-19 ይሳተፉ ኣለዉ።

ኬንያ ከኣ እንተወሓደ 400 ሰብሞያ ጥዕና ኣብቲ ዝካየድ ፈተነ ዝሳተፉ ኮይኖም፤ ከተማታት ሞምባሳን ኪሊፊን ንፈተነ ከምዝተመረጻ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ እተን ከተማታት ዝለዓለ ለብዒ ዝተረኣየለን ከባብታት ከምዝኾና ኣነጺሩ ነይሩ።

እቲ ብኣስትራዜኔካን ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ዝማዕበለ ክታበት ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ብስፍሓት ፈተነ ዝካየደሎም ዘሎ ትሸዓተ ክታበታት'ዩ።

ኣብቲ ፈተነ ዝሳተፉ ሰባት ነቲ ክታበት ምስወሰዱ መዓልታዊ ስርሖም ክቕጽሉ ከምዝግበር'ዩ ዝግለጽ።

እቲ ዝካየድ ፈተነ፤ እቲ ክታበት ውሑስ ምዃኑ፣ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምምዕባል ዝህልዎ ብቕዓትን ውጽኢታውነቱን ዝሕብር ከምዝኾነ ተሓቢሩ'ሎ።

መባእታዊ ውጽኢት ናይቲ ፈተነ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ወግዓዊ (ዕላዊ) ክግበር'ዩ ተባሂሉ።