ኦክስፊርድ ከካይዶ ዝጸንሐ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ፤ እቶም ፈተነ ዝተኻየደሎም ምልክት ሕማም ስለዘርኣዩ ደው ኣቢልዎ

ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ጉጅለ ክታበት ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብኦክስፎርድ ዩኒቨርሲትን ኣስተራዘነካን ኣብ መወዳእታ ፈተነ ዝበጽሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ እቶም ፈተነ ዝተገበረሎም ሰባት ኣሉታዊ ምልክታት ስለዘርኣዩ: እቲ ፈተነ ንግዚኡ ደው ኢሉ።

ኣስተራዘንካ፡ እቲ ደው ናይ ምባል መስርሕ፡ ሓዲሽ መድሃኒት ወይ ክታበት ክፍተን እንከሎ ‘ዘጋጥም’ ምዃኑ ብምሕባር: እቶም ፈተነ ዝካየደሎም ሰባት “ምልክት ሕማም ምስ ዘርእዩ’ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝውሰድ ገሊጹ።

እቲ ብኦክስፎርድ ዩኒቨርሲትን ኣስተራዘነካን ኣብ መወዳእታ ፈተነ ዝበጽሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ: ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ፈተነታት ጽቡቕ ውጽኢት ስለዝርኣየ፡ ምሉእ ዓለም ብኣንክሮ ክከታተሎ ዝጸንሐን ተስፋ ዝተነበረሉን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ናይ መወዳእታ ፈተነ ንምክያድ ካብ ኣሜሪካ፤ ዓባይ ብርጣንያ፤ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝተዋጽኡ 30 ሽሕ ሰባት ዝተሳተፍዎ ፈተነ ከካይድ ጸኒሑ።

ኣብ መስርሕ ፈተነ ክታበት፡ እቲ ሳልሳይ መስርሕ ፈተነ ኣሽሓት ሰባት ዝሳተፍዎ ኮይኑ፡ ዓመታት’ውን ክወስድ ይኽእል እዩ።

እቶም ነቲ ክታበት ዘማዕብልዎ ዘለዉ'ኸ እንታይ ይብሉ?

ኣብ መላእ ዓለም ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘካይዳ ዘለዋ ትካላት ደው ከብላ ተነጊርወን ኣሎ፡ ዘይሻራዊ መርማሪ ኣካል ነቲ መስርሕ ተኸታቲሉን ምርሚሩን ክሳብ ውጽኢት ዝነግር ድማ: ደው ኢለን ከምዝጸንሓ ተገሊጹ’ሎ።

ውሃቢ ቃል ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ “ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝሳተፎ ፈተነ፡ ሕማም ከጋጥም ይኽእል እዩ: እቲ ኩነታት ግን ካብቲ ክታበት ተፈልዩ ብጥንቃቐ ምክትታል ክግበረሉ ኣለዎ” ኢሉ።

ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ዘካይዶ ዘሎ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንካልኣይ ግዚኡ እዩ ስርሑ ደው ዘብል ዘሎ።

እቲ መስርሕ ፈተነ ክታበት ጥንቃቐ ስለዝሓትት ካብቶም ፈተነ ዝካየደሎም ዘሎ ሰባት ምስቲ ክታበት ምትሕሓዝ ዘይብሉ ሕማም’ውን ምስ ዝሓምም፡ ንጥንቓቐ ተባሂሉ ምሉእ መስርሕ ደው ከምዝብል’ዩ ዝግበር።

እቲ ናይ ኦክስፎርድ’ውን ኩነታት ሕማም ናይቶም ኣብ ፈተነ ዝጸንሑ ሰባት ምስቲ ክታበት ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ እንተተረጋጊጹ: ብቅልጡፍ ናብ ንቡር መስርሑ ክምለስ ከምዝኽል እዩ ተስፋ ተነቢሩ ዘሎ።