ኮሮናቫይረስ፡ ኣመሪካ ንቻይና ‘ምርምር ኮሮናቫይረስ ክትሰርቀኒ ፈቲና’ ክትብል ከሲሳታ

ምርምር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ቻይና ምትእስሳር ኣለዎም ዝተብሃሉ ሰርሰርቲ (ሃከርስ)፡ ናይ ኮሮናቫይረስ መጽናዕትታት ዒላማ ከምዝገበሩ ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም።

እቶም ሰርሰርቲ (ሃከርስ)፡ ናይ ኮሮናቫይረስ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ጉጅለታት፡ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከምዝፈተኑ፡ ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ኣሜሪካ (ኤፍቢኣይ) ተዛሪቡ።

ኤፍቢኣይ ከምዝብሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ፡ ኣብ ክታበት፣ ሕክምናን ምርመራን ኣመልኪቶም መጽናዕትታት ዝገብሩ ጉጅለታት እዮም በቶም ሰርሰርቲ ዒላማ ተገይሮም ዘለዉ።

ኣመሪካ ንቻይና ብዙሕ ግዜ እያ ከምዚ ዓይነታት ክሲ እተቕርበላ። ቻይና ግን ነዚ ክስታት ትነጽጎ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንዘሎ ምትፍናናት ኣጋዲድዎ እዩ። ነንሓድሕደን 'ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትቆጻጸርዮ ኣይከኣልክን' ብዝብል ክካሰሳ ጸኒሐን እየን።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለው፤ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም።

ኣመሪካ፡ ኣብታ ሃገር ምርምር ኮሮናቫይረስ ዘካይድ ዘለዉ ትካላት፡ ዒላማ ከምዝኾኑ ፈሊጦም ክጥንቀቑ ምዒዳ ኣላ።

ቻይና፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐርብ ክሲ ኣይትቕበሎን።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ ቻይና 'ኣብ ምርምር ኮሮናቫይረስ ቅድሚት ንመርሕ ዘለና ንሕና ኢና። መርትዖ ከይሓዝካ ንስም ቻይና ምጽላም ኣይጽቡቕን' ኢላ ነይራ።

ኮሮና
ኮሮና