ኣብ እዋን ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ፡ ጾታዊ ጎነጽ ብዕጽፍታት ይውስኽ እሎ

ሕቡራት ሃገራት ኣብ እዋን ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝስዕብ ዘሎ ጎነጽ ከምዘሓሳሰቦ ገሊጹ እዩ።
ኣብ መላእ ኣፍሪቃ'ውን ኣብተን ምስ ኣዝማደንን መጻምድተንን ተዓጽየን ዘላዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝስዕብ ዘሎ ጎነጽ ብቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎ ካብ መንግስታት፡ ፖሊስን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተረኸብ ሓበሬታ የረድእ።
ነብስና ኣብ ከምዚ መዋጥር እንተሃልያ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና? ንሞያውያንን ካብ ከምዚ ዓይነት ጎነጺ ዝደሓነትን ኣዘራሪባን ኣለና።
ኢስተር ምስ ነበር ብዓል ቤታ ሰለሰተ ዓመታት እያ ገይራ፡ ብዓል ቤታ ድማ ቃላውን ኣካላውን ጎነጽ የብጸሓላ ምንባሩ'ያ ትገልጽ።
"ጸርፍን ቆይቂ ዝበዝሖ ሓዳር እንተልዩካ እቲ ቆይቂ መዓስ መዓስ ይመጽእ ትርድኦ ኢኻ" ትብል።
ብምስዓብ "ቀዳመ ሰንበት እቲ ዝኸፈአ መዓልታት እዩ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ገዛ እዩ ዝህሉ፡ እቲ ቆይቂ ዝለመደ መጻምድቲ ድማ ኣመሉ ይጅምሮ፡ ክትምልስ እንተፈቲንካ እሞ እቲ ቆይቂ ናብ ማህረምቲ ይሰግር" ትብል።
"ከምዚ ኣብ ጋብያ ዝኣተኹ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኑ ነይሩ"
"ሓደ ሰብ ክልተ መዓልቲ ምሳኺ ውዒሉ ናብ መህረምቲ ዘምርሕ እንተኾይኑ፡ ኣዋርሕ እተተዓጽዩ እንታይ ከምዝስዕብ ሕስብ ኣብልዮ፤ እቲ ናብራ ዘሰልኪ ጥራይ ኣይኮነን፡ ፍርሒ ዝተጎልበብ ጭንቀት እዩ" ክትብል ትውስኽ ኢስተር።

ኢስተር ቅድሚ ዓመትታ እያ ተፋቲሓ፡ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ ኣብቲ ንሳ ዝተፋታሓትሉ እዋን ነገራት ዝቐለለ ምንባሩ ድማ ትግምት።
"ብሓቂ ሕጂ ምልስ ኢለ ክርእዮ እንከለኹ ከምዚ ኣብ ማሓዩር ዝነበርኩ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ ብቁጠባ፡ ብስምዒት ብኣእምሮኣዊ ብኹሉ እስርቲ ስለዝነበርኩ ክውስን ይጽገም ነይረ። ብዓብይኡ ደቀይ'ውን ኣለዉ፡ ሓጎስ ደቅኻ ምሕላው ኸኣ ሓደ ዕዮ ገዛኻ ጌርካ ትወስዶ"
ኣብዚ እዋን ዕጽዋ ካብ መጻምድተን ክፍለያ ንዝወሰና ደቂ ኣንስትዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኢስተር ዝጠቐሰቶ ኩነታት፡ እዚ ዘሎ እዋናዊ ጸገማት ኮሮናቫይረስን ዕጽዋን ተወሳኺ ማሕለኻ'ዩ።
ካብ ገዝአን ወጺአን ናብ ዝዑቆባሉ ክኸዳ እንተወሲነን፡ ፖሊስ ሕጊ ጥሒስክን [ካብ ገዛ ብምውጽአን] ኢሎም ክኣስርወን ይኽእሉ'ዮም።
ብሰንኪ ዕጽዋ ህዝባዊ መጓዓዝያ'ውን ክረኽባ ኣይክእላን እየን።
ብዙሓት ሃገራት ኣብ እዋን ዕጽዋ ካብ ኣዝማደን መጻምድተንን ካልኦትን ጎነጽ ንዘጋጠምን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዘ ዝረኽባሉ ነጻ መስመር ቴሌፎን ኣዋዲደን ይርከባ።
እዚ ግን ነተን ኣብ ኢደን ቴሌፎን ዘለወንን መስመር ቴሌፎን ኣብ ዘለዎ ቦታን ንዘለዋ ጥራይ እዩ ፍታሕ ከምጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ።
ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ወሰኽ ኣርእዩ
ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ዕጽዋ፡ 2320 ጥርዓን ጾታዊ ጎነጻት በጺሕዎ፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብ37 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ።
ኣብ ዙምባቤወ፡ ብመስመር ቴለፎን ዝተሓበረ ጥርዓናት ጾታዊ ጎነጽ ብሰለሰት ዕጽፊ ዛይዱ እዩ።
ኣብ ናይጄርያ ተሓላቂት ጾታዊ ጎነጽ ናይ ዝበጽሐን ደቂ ኣንስትዮ ዘኾነት ዶሮቲ ንጀማንዘ፡ ኣብ ሃገራ ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ጾታዊ ጎነጻት ኣዝዩ ከምዘሻቐላ እያ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ዶሮቲ ንጀማንዘ ብምስዓብ "እዚ ብኸምዚ እንተቐጺሉ፡ ኣዋጅ ዕጽዋ ቅድሚ ደው ምባሉ ሞት ብዙሓት ኣሕዋትና'ውን ክንሰምዕ ኢና" ትብል።
ገለ መንግስታት ኣፍሪቃ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ።

ኣብታ ዘቤታዊ ጾታዊ ጎነጽ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝዛየደላ ሃገረ ቱኒዝያ፡ ዘቤታዊ ጎነጽ ንዘጋጥመን ደቂ ኣንስትዮ ነጻ መስመር ቴሌፎን ክትገብር እንከላ፡ ኣብ ቤተን ጎነጽ ንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ መዕቆቢ ዝኽውን ምሉእ ቀረባት ዘለዎ ሸሞንተ ነቑጣታት ድማ ኣቊማ ኣላ።
ኣብ ዙምባቤወ'ውን ብተመሳሳሊ 'ሩት ዋን ስቶፕ ሸልተር' ዝተሰመየ ማሕበራዊ ጎነጽ ነዘጋጠመን ዝሕግዝ ማሕበር ተመስሪቱ ኣሎ።
ዳይረክተር እዚ ማሕበር ቤትሪስ ሳባድየ ክሳብ ሕጂ ሸውዓት ትሕቲ ዕድመ ዝርከበአን 28 ደቂ ኣንስትዮ ኣዕቑበን ከምዘለዋ እያ ትሕብር።
ቤትሪስ ሳባድየ ብምስዓብ፡ ማሕበራ ካብ ፖሊስ ሓበሬታ እናወሰደ ኣብ ቤተን ጎነጽ ንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ብምርካብ ፍታሕ ንምንዳይ ይሰርሕ ምህላዉ ትሕብር።
'ውሑስ ቤት ንደቂ ኣንስትዮ'
ኣብ ኬንያ'ውን ብተመሳሳሊ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት 17 ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘቤታዊጎነጽ ኣናጊፎም ኣዕቒቦምወን ከምዘለዉ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድያና ካማንደ ትሕብር።
ኣብ ናይጄርያ ዝበዝሓ ካብተን ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፋ ዝነበራ ማሕበራት፡ ብሰንኪ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣገልግሎት ኣይህባን ዘለዋ።
እንተኾነ ወለንታውያን፡ ካብ መጻምድተንን ኣዝማደንን ጎነጽ ንዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ዑቕባ ይህቡ ከምዘለዉ ኣብ ናይጄርያ ወለንታዊ ኣገልግሎታት እተወሃህድ ቲቲላዮ ቪቮር ትሕብር።
ኣብ ጋና ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዝ ማሕበር 'ኣርክ ሸልተር' ግን ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሓደሽቲ ደቂ ኣንስትዮ ናብተን ነባራት ተዓቆብቲ ክጽንብርወን ስክፍታ ሰለዘለዎም ሓደሽቲ ይቕበሉ ከምዘየለዉ'ያ ዳይረክተር ኣርክ ሸልተር ናና ሱኑ ትሕብር።
ናና ሱኑ ብምስዓብ "እንተተቀቢልናየን'ውን እኹል መወሸቢ ስለዘይብልና ሓደግኡ ከይብእስ ፍርሒ ኣለና" ትብል።
እታ ካብ ጾታዊ ጎነጽ ዝሰረረትን ተመሳሳሊ ጸገማት ንዘጋጠምን ደቂኣንስትዮ ኣብ ምሕጋዝ ትርከብ ኢስተር ግን ደቂ ኣንስትዮ ጸገም ምስ ዘጋጥመን ከይተሓለላን ከይፈርሓን ሓገዝ ክሓታ ከምዘለወን እያ ትምዕድ።
"ዋላ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጥራይ ትፈልጥኦም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጽሓፈሎም፡ ደውላሎም፡ ኣይትፍርሓ፡ ዕጽዋ ስለዝተኣወጀ ኩሉ ነገር ተዓጽዩ ማለት ኣይኮነን" ትብል።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክኢላ ስነኣእምሮ ኒታቢሰንግ ሮሞትዋላ፡ ሕብረተሰባት ንጾታዊ ጎነጽ ክቃልዓ ይኽእላ እየን ንዝበሉወን ጎሮባብቶም ኩነታተን ክከታተሉ ከምዘለዎም እያ ትምዕድ።
ጾታዊ ጎነጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ካብ ዝፈልጠኦምን ጎሮቤትን ሓገዝ ክሓታ ትምሕጸን።
"ቁጽሪ ቴሌፎን ኣብ ጥቃኽን ዝርከብ መደብር ፖሊስ ሓዛ፡ ምስ ጎሮባብትኽን እሂን ምሂን ተባሃሃላ፡ ገለ እንተኾንክን ክረድእኹን ንገረኦም፡ ቁጽሪ ቴሌፎን ናይ ቀረባ ኣዝማድክን'ውን ንጎረባብትኽን ሃባ" ትውስኽ ኒታቢሰንግ ሮሞትዋላ።
እተን ካብ ከምዚ ዓይነት ጎነጽ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ኢስተር ናይ መወዳእታ ማዕዳኣ ትልግስ።
"ንኻልእ ክጥዕሞ ኢልክን ድምጽኽን ኣይትዓፍነኦ፡ ሕማቕ ንዝዛረብክንን ሕማቕ ንዝገብረክንን ኣቃልቦ ክልአኦ፡ ካብቲ ቆይቂ ውጽኣ፡ እንተኽኢልክን መጽሓፍ ኣንብባ ኩሉ ነገር ክትርስዐኦ ኢኽን . . . "
". . . እዚ እዋን ዕጽዋ እንተሰጊርክነኦ፡ ብድሕሪኡ ድላይክን ክትገብራ ትኽእላ ኢኽን፡ እዚ ዝብሎ ዘለኹ ናይ ብሓቂ ፍታሕ ድዩ ኣይፈልጥን'የ፡ እንተኾነ ነዚ ዘሎ ሕማቕ እዋን መሳገሪ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንሕጂ ብሂወት ንኽትህልዋ ዝደልይዎ ነገር ግበራሎም" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







