ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ሸቃሎ ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለዉ

ኣብ ሱዳን ቁፅሪ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ምውሳኹ ስግኣት ዝሓደሮም ኢትዮጵያውያን ሸቃሎ ናብ ሃገሮም ይኣትዉ ኣለዉ።
እቶም ሸቃሎ ኣብ ናይ ክልቲኡ ሃገር ሕርሻዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዝናበሩ ዝነበሩ እዮም።
ብፍላይ መንግስቲ ሱዳን ሰብ ካብ ቤቱ ከይወፅእን ከይወሳወስን ብመሰረት ዘውፅኦ መምርሒን ኣዋጅን ስራሕ ስለዝተዳኸመ እቶም ሸቃሎ ናብ ሃገሮም ምምላስ ከምዝቐንዖም ይዛረቡ።
እቶም ሸቃሎ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘሎ ጎልጎል ናብ ኢትዮጵያ እንትኣትዉ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ትግራይ ተቐቢሎም ናብ መወሸቢ ቦታ የእትዉዎም ከምዘለዉ ተገሊፁ'ሎ።
ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ሰበሆ ሓጐስ ንቢቢሲ ከምዝገለፅዎ ብርክት ዝበሉ ሸቃሎ ብፍላይ ኣብ ማይካድራ ተዓቝቦም ኣለዉ።
"ኣብ ማይካድራ ንቶም ሸቃሎ ን14 መዓልታት ንኽፀንሑ መንግስቲ ክልል ትግራይ ቀለብን መፅለልን ይኽእሎም ኣሎ" ይብሉ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሙሉ ማንጁስ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ግዚያዊ መፅንሒ ተሰናዲኡሎም ይተኣናገዱ ኣለዉ እውን ኢሎም ኣይተ ሰበሆ።
ኣይተ ሰበሆ ንቶም ካብ ሱዳን ዝምለሱ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ሸቃሎ ንምሕብሓብ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተረኸበ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ከምዘየለ ድማ ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ትግራይ ናብ ዳንሻ ዝኣትዉ ሸቃሎ እውን፡ ምምሕዳር እቲ ዞባ ተቐቢሉ ኣብ ዳንሻ ኣብ ዝተዳለወ ማእኸል መወሸቢ የፅንሖም ምህላዉ ይገልፅ።
ኣብቶም ሸቃሎ ዝተገብረ ምርመራ ዛጊድ በቲ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ኣይተረኸበን ዝበሉ ኣይተ ሰበሆ፡ ደም ናብ መቐለ ብምልኣኽ ምርመራ ይካየድ ምህላዉ ይገልፁ።
እቶም ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን "መንግስቲ ሱዳን ንኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ውፁኡልና ኢሉ ይሰጉግ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ድማ ጌጋ እዩ" ኢሎም።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ወልቃይት፣ ፀገዴ፣ ቃፍታ ሑመራ፣ ሰቲት ሑመራን ካልኦትን ልዕሊ 10 ማእኸላት መወሸቢ ተዳልዮም ኣግልግሎት ይህቡ ምህላዎም ንምፍላጥ ክኢልና ኢና።
ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ሱዳን ዛጊት 1661 ሰባት በቲ ቫእረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ 80 ሰባት ድማ ሞእቶም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







