ኮቪድ-19፡ ኣብተን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝራኸባ ክልላት ኢትዮጵያ ዘንጸላለወ ስግኣት ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ፈላማይ ውልቀሰብ ካብ ዝርከብ ንደሓር ክልተ ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት እናወሰኸ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይርከቡ ኣለዉ።
ብፍላይ እታ ሃገር ብዶብ ምስ እትራኸበን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘለዉ ከባብታት ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ቁጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ ዘሰክፍ ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ትግራይ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም ዝበዝሑ ዘወርቲ መኪናን ተሓጋገዝቶምን እዮም። ኩሎም ድማ ካብ ጂቡቱ ከምዝመጽኡ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፈላሞት አርባዕተ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣብ ዝተፈለጠሉ እዋን ኣብ ህዝቢ እቲ ክልል ከቢድ ስንባደ ኣኸቲሉ'ዩ። ኩሎም ድማ ካብ ጂቡቲ ዝኣተዉ ነይሮም።
ብድሕሪኡ'ውን ብተመሳሳሊ ዝተረኸቡ ክልተ ሰባት ካብኡ ዝኣተዉ ብምንባሮም ነቲ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝምንጩ ስግኣት ኣሐይልዎ'ዩ።
"እቲ ስግኣት ከምዚ'ዩ ኢልካ ንምግላጹ ይኸብድ እዩ" ዝበለ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ጣብያ ጥዕና ወረዳ መተማ ኣይተ በቃሉ እውነቱ "ብጣዕሚ ከቢድ እዩ፤ እቲ ቑጽሩ እናወሰኸ ምምጽኡ ድማ የፍርሕ። ምሸላን ዝዓጽዱን ጡጥ ዝኣርዩን ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብ ሱዳን እናኣተዉ እዮም። ካብ 22 ሚያዝያ ጀሚሩ 360 ሰባት ናብ መወሸቢ ክኣትዉ ጌርናለና" ኢሉ።
ካብ ፌደራል መንግስትን ክልልን ዝቐርበሎም ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ከምዘየለ ብምግላጽ "ናታቶም ሓገዝ እንተዘይተወሲኽዎ ከቢድ'ዩ። መዓልታዊ ካብ 100 ክሳብ 200 መዓልታዊ ሸቃሎ'ዮም ዝኣትዉ" ክሳብ ሕዚ ግን ዝቐረበልና ነገር የለን" ክብል ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሓዳሪ ወረዳ ባቲ ኣይተ ሞሓመድ ዓብዱ ብወገኑ ኣብ ከባቢኡ ተመሳሳሊ ስግኣት ከምዘሎ ይገልጽ።
"ከቢድ ስግኣት ኣለና. . ." ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ዶብ ክልል ዓፈርን ኣምሓራን ረስኒ ሰባት ናይ ምዕቃን ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ። "ግንዛበ ብምዕባይ ሕብረተሰብ ካብ ጂቡቲ ዝተመለሰ ሰብ እንተሃልዩ ክሕብረልና ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ'ሎ።
ንሱ'ውን ካብ ክልል ይኹን ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝቐረበሎም ሓገዝ ከምዘየለ ብምሕባር "እዚ ቦታ ስትራቴጂክ እዩ፤ ንምሉእ ምብራቕ ኣምሓራ ዘራኽብ መንገዲ እዩ" ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።
አይተ ሞሓመድ ከምዝበሎ እንተኾይኑ እቲ ካልእ ዓብዪ ስግኣት እቶም ካብ ጂቡቲ ዝኣትዉ ሰባት ሓበሬታ ምሕብኦም'ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ስርሖም ብድሆ ኮይንዎም ኣሎ። እቶም ሰባት ካብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ብእግሮም ብምስጋር ናብ ከተማታት ይኣትዉ።
"ናብ ከተማ ምስኣተዉ ካብ ሚሌ ወይ ካልኦት ከባብታት መኪና ተሳፊሮም ይኣትዉ። ሽዑ ኩነታት ጉዕዝኦም ብዝምልከት ክሕተቱ ከለዉ፡ ካብ ከተማ ሚለ ወይ ከኣ ካብ ሎጊያ መጺአ ይብሉ። ካብ ጂቡቲ ብዛዕባ ምምጽኡ ዝዛረብ የለን። ኣብዚ ክፍተት ኣሎ" ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹ።
ኣብ ክልል ሶማሌ'ውን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝመጽኡ ሰባት ስግኣት ከምዘንጸላለወ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዶክተር ዩሱፍ መሓመድ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ስግኣት ኣሎ። ክሳብ ሕዚ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 22 ሰባት ካብ ጎረቤት ሃገር ዝኣተዉ እዮም። ኣብ መወሸቢ ኢና ረኺብናዮም" ክብል ሓቢሩ።
እቲ ካልእ ስግኣት ኣብ ክልል ዓፋር'ዩ። ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ያሲን ሓቢብ ከምዝብልዎ እቲ ኩነታት ከቢድ ስግኣት ፈጢሩሎም ኣሎ። ካብ ጂቡቲ ዝምለሱ ከምዘለዉ ብምግላጽ "540 ሰባት ኣብ መወሸቢ ይርከቡ" ክብል ኣረዲኡ።
ክሳብ ሕዚ ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 241 ሰባት እቶም 238 ነጻ ኮይኖም ኣለዉ። ዝተረፉ ድማ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።
"ነቲ ስግኣት ዝተገንዘበ መንግስቲ እቲ ክልል ኩሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ ናብ 34 ወረዳታትን 5 ከተማ ምምሕዳርን መዲቡ ክሰርሑ ገይሩ'ሎ" ኢሉ እቲ ምኽትል ሓላፊ።
ህዝቢ ነቶም ብእግሮም ዶብ ሰጊሮም ዝኣትዉ ሰባት እናፈለየ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ተሳትፎ ይገብር ከምዘሎን በዚ ድማ መልክዕ ብዝተረኸበ ሓበሬታ 22 ሰባት ተፈልዮም ብዝተገበረ ምርመራ ሓደ ሰብ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦን ወሲኹ ገሊጹ።
እቶም ካብ ጂቡቲ ዝአትዉ ዘወርቲ መኻይንን ተሓጋገዝቶምን መወሸቢ ተዳልዩ ኣብኡ ክጸንሑ ከምኡ'ውን ዝምገቡሉ ሆቴል ክፍለ ተገይሩ'ሎ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







