ባህርይን ጠባይን ስርዓት ኤርትራ ዘንቀሎ ቅልውላው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓሚሙስ ወዱን ሰበይቱን ኣብ ስዑዲ የሐክምዎ ኣሎ ዝብል ወረ ተነዚሑ ቀንዩ።
ቅድሚኡ እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሓንሳብ ዘይኮነ ክልተ ሳዕ ፕረዚደንት ሓሚሙ፡ ሞይቱ ዝብል ወረ ድሕሪ ምንፋሱ፡ ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ፕረዚደንት፡ ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ቃለ-መሕትት ብምክያድ ብህይወቱን ምስ ጥዕንኡን ምህላው ኣርእዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት እውን ድሕሪ እቲ ንኩነታት ጥዕንኡ ዝምልከት ክናፈስ ዝቐነየ ቤላ ቤለው፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ ቀሪቡ፡ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐን ንመደባት ልምዓት 2020 ዝምልከት ጽሑፍ ኣንቢቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ክንዲ ወረቐት ዘንብብ፡ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝገብሮ ብቃለ ምልልስ ስለዘይተዛረበ፡ ኣብ ቴክኒካዊ ኣቀራርጻ እቲ ፈነወ ኣድሂቦም ብዛዕባ ጥዕንኡ ክመራመሩ ዝፈተኑ እውን ነይሮም።
ግን ስለምንታይ እዩ ሰብ ብዛዕባ ጥዕና ፕረዚደንቱ ክሳብ ክንድኡ ዝሻቐል?
እቶም ብኩነታት ጥዕና ፕረዚደንት ዝሻቐሉ ዘለው ክልተ ወገናት እዮም። እቶም ሓደ ደገፍቲ ስርዓት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኮይኖም ብሕማሙ ድቃስ ዝስእኑን፡ 'ድሕሪ ኢሳይያስ እዛ ሃገር እንታይ ክትከውን እያ? ብዘይክኡ ዝኽእለናን ዘመሓድረናን የሎን' ዝብሉ ክኾኑ እንከለው እቶም ሓደ ወገን ከኣ ተቓወምቲ ስርዓቱ ኮይኖም፡ 'እዚ ብዘይ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ንሃገርን ህዝብን ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ ሰብ ክእለ ኣለዎ' ብምባል ክሳብ ሞቱ ዝምነዩ እዮም።
ውሑዳት ዘይኮኑ ከኣ፡ ነቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ዘዐወተ መራሒ፡ ድሕሪ ናጽነት ብኸምቲ ህዝቢ ትጽቢት ዝገብረሉ እኳ እንተዘይከደ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ኣካይዳኡ ኣሪሙ፡ ምስ ህዝቡን ነብሱን ተዓሪቑ፡ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ፈቲሑ፡ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምክያድ ስሙ ከዐሪ ዝምነዩ እውን ኣለው።
መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድ'ዚ ዕጹው ኮይኑ? ስለምንታይ እዩ 'ኸ ንህዝቡ ሓበሬታ ዘይህብ?
እዚ ኣብ ኤርትራ ንኣስታት ሰለስት ዑቁድ (30 ዓመታት) ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ፡ ቅድሚኡ መሰል ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ንምርግጋጽ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ ዝኣተወ ሓይሊ እዩ።
እዚ ብኹለንትናኡ ብወተሃደራዊ ምሕደራ ዝተቐርጸ ስርዓት፡ ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ናብ ጸላኢ ምስጢር ከይሞልቆና ብምባል፡ ኩሉ ነገሩ ኣዝዩ ምስጡር እዩ ነይሩ።
ካብኡ ብዝሓለፈ እኳ ደኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ኩሎም ኣባላት እቲ ግንባር ዘይፈልጡዎ ንዓመታት ተሰዊሩ ንጥፈታቱ ዘካይድ ዝነበረ ካልእ ስውር ውድብ ነይሩዎ።
እቲ ብምስጢራዊ ሰልፊ ዝፍለጥ ሓይሊ ከኣ እዩ ንኹሉ ንጥፈታት እቲ ውድብ ዝምእዝንን ዝመርሕን ነይሩ። ኣባላት እታ ምስጢራዊት ውድብ፡ እቶም ኣብ ውዑይን ዝሑልን ሓቢሮሞም ዝነብሩ ብጾቶም ከይፈልጡዎም፡ ብኣዝዩ ረቂቕ ጥበብ፡ መብዛሕቱ ግዜ ብለይቲ እዮም፡ ኣብ ሕቡእ ቦታ ኣኼብኦም ዘካይዱ ነይሮም።
እቲ ውድብ እምበኣር እዚ ምስጢራዊ ኣሰራርሓን ባህርይን ሒዙ እዩ ናጽነት ኣረጋጊጹ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 1994 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሰልፊ ከምዝነበረ ብወግዒ ምስገለጸ ከኣ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ብፍላይ ገሊኦም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ነይሮም ከብቅዑ ምስጢራዊ ሰልፊ ከምዝነበረ ዘይምፍላጦም ብዙሕ ዝጎሃዩን ዝተሰመዖምን ነይሮም።
እቲ ዝቐሃመ ባህጊ
እቲ ድሕሪ 30 ዓመት ከቢድ ኩናት፡ ንስርዓት ደርግ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስዒሩ ግዝያዊ መንግስቲ ዝመስረተ ግንባር እምበኣር ድሕሪ ናጽነት እውን ካብቲ ንዓመታት ዝለመዶ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ኣይወጽአን።
ኣብቲ ፈለማ ናጽነት፡ ህዝቢ፡ ካብ ፍርሕን ራዕድን መግዛእቲ ተገላጊሉ፡ ብዓወት እቲ ግንባር ስለዝተመሰጠ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እውን ኣካይዳ እቲ መንግስቲ ክተዓራረ እዩ ዝብል ተስፋ ስለዝነበሮ ውሑዳት እንተዘይኮይኖም፡ ብዙሕ ዝተማረረ ኣይነበረን። ኣብ ርእሲኡ ህዝቢ፡ ደቅና ን30 ዓመታት ተቓሊሶም ጥራሕ ኢዶም ስለዝኣተዉ፡ እዝን እዝን ዘይተገብረልና ኣይበለን።
ኣብ ሚያዝያ 1993፡ እቲ ብብረት ዝተረጋገጸ ናጽነት፡ ብህዝባዊ ድምጺ ብረፈረንዱም ተደሪዑ ኤርትራ ኣባል ማሕበረ ሰብ ዓለም ኮይና ባንዴራኣ ኣብ ቀጽሪ ሕቡራት ሃገራት ኣንበልቢላ።
ኣይደንጎየን ኣብ ዓመቱ ሃገራዊ ቅዋም እትነድፍ ኮሚሽን ቆይማ፡ ድሕሪ ናይ ሓሙሸተ ዓመት ስራሕ ከኣ ዕዮኣ ኣጽፊፋ እቲ ቕዋም ብሃገራዊ ባይቶ ምስጸደቐ፡ እቲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዳ ክቕየርን ትካላዊ ኣሰራርሓ ክተኣታቶን እዩ ኢሉ ብተስፋ ዝተጸበየ ብዙሕ እዩ።
ግን እቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ብኩናት (ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000) እናተመኽነየ ምስተመጠ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ስርዓት ቅሬታ ተፈጢሩ፡ ቅዋም ክትግበር ዝጠልቡ ሓለፍቲ ተቐልቂሎም። እንተኾነ ሕተኦም ብሓይሊ ተቖጽዩ ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ፡ ንኣስታት 19 ዓመታት ተቐይዶም ኣለው።
ምስቲ ናይ ለውጢ ጠለብ እተን ኣብ 1996 ዝጀማመራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት እውን ኩለን ተዓጽየን ኣዳለውተን ካብ መስከረም -2001 ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ኣለው።
ኣብ ግዳም ዝርከብ ኤርትራዊ ብቐጻሊ ሃገራዊ ቅዋም ክትግብር ክጠልብ ምስ ጀመረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ በዓል ናጽነት 2014፡ እቲ ኣብ 1997 ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቅዋም ከምዝሞተን ምስ ክውንነት ኤርትራ ዝሳነ ሓዲሽ ቅዋም ይንደፍ ከምዘሎን ሓቢሩ። ብድሕሪኡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ቕዋም ተላዒሉን ተዘኪሩን ኣይፈልጥን እዩ።
እቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝተግበረ ስምምዕ ዕርቀ ሰላምን እቲ ኣብ ኣስመራን ጂዳን ዝተፈረመ ዝርዝራትን ንህዝቢ ኣይተገልጸን። ካብቲ ኣመራርሓ ዝፈልጥ እንተልዩ እውን ውሑድ እዩ ዝኸውን።
ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር፡ ድሕሪ እቲ ንጉጅለ-15 ኪኹንን ኣብ ሕዳር 2002 ዘካየዶ ኣኼባ ዳግማይ ኣይተጋብአን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ካቢነ ምኒስተራት ንቡርን ስሩዕን ኣኼብኡ ኣቋሪጹ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝወሃብን ዝንቀልን ሽመት ንህዝቢ ብዕልን ብወግዕን ኣይግለጽን እዩ። ኩሉ ብኣፍ፡ ብወረ ወረ ወይ እቲ ዝተመዘዘ ሰብ ኣኼባታት መሰካየደ ኣብ ዝግበር ዜናዊ ጸብጻብ ጥራሕ እዩ ዝነገር። ስለዚ ኣብታ ሃገር ኩሉ ነገር ዕጹው እዩ።
ስለዚ እዩ ኸኣ ፕረዚደንት ደሃይ ምስዘጥፍእ ሓሚሙ፡ ሞይቱ፡ ዝብል ወረ ዝንዛሕ። ንሓንሳብ እቲ ከምኡ ዓይነት ወረ፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ነቶም ኣብ ግዳም ዝርከባ ናይ ተቓውሞ ሚድያታት ተኣማንነተን ንምድኻም ብፍላጥ ከምዝግበሮ እውን ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖለቲካ ይዛረቡ እዮም።
ህዝቢ ግን ብዛዕባ ስርዓቱን መንግስቱን ፕረዚደንቱን ግቡእ ሓበሬታ ክረክብ መሰሉ እዩ። ኣብቲ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ 1997 ዘጽደቖን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቐተሎን ህዝቢ ዝተኻታዓሉን ዝዘተየሉን ቅዋም ንኣብነት፡ ኣብ ዓንቀጽ 19 ኣብ ፍቕዲ ሰለስተ፡ ኩሉ ሰብ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ይብል።
እንተኾነ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ግሉጽነት የሎን። ኣብ ግዳም ዝርከቡ ሓይልታት ተቓውሞ ከኣ ካብቲ ቀንዲ ጠለቦም ሃገራዊ ቅዋም ክትግበርን ግሉጽ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል ህዝባዊ መንግስቲ ክትከልን እዩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ተቓወምቲ ከምዘለውዎ እውን ኣይቅበልን እዩ።
እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጉጅለታትን ውዳበታትን ዝተመቕሉ ተቓወምቲ እውን ጥርናፈን ሓይልን የብሎምን። ስለዝኾነ፡ ዋላ እውን እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘይድግፍ ወገን ከይተረፈ ከም መተካእታ ኣይርእዮምን እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ፡ ንልዑላውነትን ክብርን ኤርትራ ዝደናደን ዘረባታት ስለዘስምዑ፡ እዛ 'ብመሪር ቃልስን ከቢድ ዋጋን ዝተረጋገጸት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከይትወድቀና' ብምባል ዝሻቐሉ እውን ብዙሓት እዮም።
ስለዝኾነ እዚ ናይ ሎምን ትማልን ፕረዚደንት፡ ሞተ ሓመመ ዝብል ቤላ ቤለው ካብ ዕጹውን ምስጢራውን ባህሪ እቲ ስርዓትን ኣካይድኡን ዝምንጩ እዩ። ህዝቢ ከኣ ብዛዕባ ሃለዋት ፕረዚደንቱን ኩነታት መንግስቱን ሓበሬታ ክረክብ መሰል ኣለዎ፡ ይብሉ ንፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ብቐረባ ዝከታተሉ ምሁራት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







