ኣብ ኒውደልሂ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ግዒዞም

ኢትዮጵያውያን ኣብ ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ህንዲ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብዘስዓቦ እገዳ በረራን ምንቅስቓስን፡ ንኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ክፀንሑ ተገዲዶም ዝነበሩ ኣስታት 100 ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ፡ ናብ ሃገሮም ግዒዞም።

ቢቢሲ፡ ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ንቁጣባውን ጥዕናውን ፀገማት ከምዝተቓልዑን ሰማዒ ከምዝሰኣኑን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፀብፂቡ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኒውደልሂን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን፡ ነቶም ኣብ ኒውደልሂ ዝነበሩ ተሓከምቲ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ከምዝኽኣለ፡ እቶም ተጓዓዝቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።

እቲ መገዲ ኣየር ትማሊ ረቡዕ እዩ ነዞም ተሓከምቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣግዒዝዎም።

"ተዓፊንና ኢና ነይርና"

ኣይተ ሃፍቶም ብምኽንያት ሕክምና፡ ኣብ ኒውደልሂ ምስ ካልኣይ ርእሱ፡ ንክልተ ወርሒ ፀኒሑ።

"ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሓደ ወርሒ ሕክምናይ ወዲአ እየ ነይረ፤ መንግስቲ ህንዲ ዕፅዋ ምስ ኣወጀ ግና ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ፡ ብኸቢድ ፀገም ኢና ሓሊፍናዮ። ብቀዳም ግና ካብ ኤምባስን መገዲ ኣየርን ደዊሎም፡ ሰሉስ ናብ ኢትዮጵያ ከምንኸድ ነጊሮምና። ብዙሕ ፀገም እኳ እንተሓለፍና ሕዚ ግና ሕጉሳት ኢና" ክብል ብዛዕባ ኩነታቱ ገሊፁልና።

ወዲ 68 ዓመት ኣይተ ገብረመስቀል ገብሩ እውን፡ ንሕክምና ተኸላ ኩሊት፡ ንሰለስተ ርእሶም እዮም ናብ ኒውደልሂ መጺኦም።

ምስ በዓልቲ ገዝኦምን ኩሊት ምስ ዝልግሰሎም ሰብን ዝመፅኡ ኣይተ ገብረመስቀል፡ ኣብ ኒውደልሂ ንሰለስተ ወርሒ ክፀንሑ ዝተገደዱ እዮም።

"ቢቢሲ እቲ ዘለናሉ ኩነታት መደብ ምስ ሰርሓሉ'ምበር፡ ኣብዚ ተዓፊንና ኢና ነይርና፤ ምስ ዝኮነ ክንዛረብ ኣይንኽእል፡ ኣብ ሽግር ኢና ነይርና" ክብሉ ገሊፆምልና።

ካልእ ስግኣት…

እዞም ኣብ ህንዲ ንክልተ ግዘ ብሰንኪ ዝተኣወጀ ነዊሕ ዕፅዋ ንዘይተደለየ ወፃኢታት ተቓሊዖም ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ፡ ዋላ'ኳ ሕዚ ናብ ኢትዮጵያ እንተተመለሱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንክልተ ሰሙን ክውሸቡ እዮም።

"መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ሆቴላት ዝርዝር ዋጋ ልኢኹልና፤ እቲ ዝተሓተ 30 ዶላር እዩ፡ ግና ዓቕምና ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ ቁጣባ ፀገም ገጢሙና እንከብቅዕ፡ ኣብዞም ኽቡራት ሆቴላት ኣቲና እንታይ ከምንኸውን ኣይንፈልጥን" ኢሉና ኣይተ ሃብቶም።

ኣብ ኣዲስኣበባ ን14 መዓልታት ተወሺቦም ዝፀንሑ፡ ጉዕዘኦም ናብ ትግራይ ዝቕፅሉ ድማ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ብመሰረት ዝደንገጎ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ፡ ንካልኣይ ግዘ ንክልተ ሰሙን ኣብቲ ክልል ክውሸቡ ግድን እዩ።

ንሰለስተ ርእሶም ናብ ህንዲ ዝመፅኡ ኣይተ ገብረመስቀል፡ ኣብ ክቡራት ሆቴላት እሞ ድማ ክልተ ግዘ ንሓደ ወርሒ ምውሻብ ዝብል ኣይቕበልዎን።

"ካብ ሆስፒታል ምስ ወፃእኩ፡ ነቲ ኩሊት ዝለገሰለይ ሰብን ንዓይ ምስ በዓልቲ ገዛይን፡ ክልተ መዕረፊ እየ ሒዘ። ኣዝዩ ክባር እዩ፤ እሞ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ምፅናሕ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ወያ ስለዝተሓከምና ደኣ እዩ'ምበር ናይ ገንዘብ ቅልቅላው በፂሑና እዩ" ይብሉ ኣይተ ገብረመስቀል፡

" ኣብ ኣዲስኣበባ ን14 መዓልቲ፡ ኣብ መቐለ እውን 14 መዓልቲ ምውሻብ ዝብል ፅቡቕ ኣይኮነን። እቲ ናብ መቐለ ዝኸይድ ብቐጥታ ከይዱ ኣብኡ እዩ ተፈልዩ ክፀንሕ ዘለዎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተተወሺቡ ድማ ኣኸለ፤ ሰብ ብዝተጓዓዘ ቁፅሪ እናተኣሰረ ክኸይድ ግና፡ ትኽክል ኣይኮነን" ኢሎምና።

ናይ ካልኦት ዕጫ'ኸ?

እቲ ሕዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ኣብ ኒውደልሂ ንዝነበሩ ተሓከምቲ ጥራሕ ዘድሃበ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።

ይኹን'ምበር ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት እታ ሃገር ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ ኣለዉ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ህንዲ ዝተኣወጀ ዕፅዋ ስዒቡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተኸልኪሉ እዩ።

ብምኽንያት እዚ ድማ፡ እቶም ካብ ኒውደልሂ ወፃኢ ዝርከቡ ተሓከምቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ስለዘየለ ናብ ኒውደልሂ ክመፅኡ ኣይከኣሉን፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከኣ፡ ካብ ርእሰ ከታማ እታ ሃገር ወፃኢ፡ ናብ ካልኦት ከባብታት ዘይበርር ብምዃኑ፡ እዚ ዕድል ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ይገልፁ።

ሕዚ ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ 100 ከምዘይመልኡን እቲ ኣሃዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ህንዲ ንዝተረፉ ብዙሓት ተሓከምቲ ከምዘይገልፅን ድማ፡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ካብ ከተማ ኣዲስኣበባ ወላዲቱ ንምሕካም ኖይዳ ናብ ትበሃል ከተማ ዝመፅአ ኣይተ ዳናይ ግደይ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ እቲ ዝሓሰቦ ግዘ ክፀንሕ ካብ ሞንጎ ዝተገደዱን ንቁጠባዊ ፀገም ዝተቓልዑን ሓደ እዩ።

"ኣደይ ዝነበራ 'ፒቱተሪ ቲዩመር' ንምውጋድ 13 መጋቢት እየ ናብ ሆስፒታል ጄፒ መፂአ። ዘድልይ ሕክምና መጥባሕቲ'ኳ እንተወዳእና፡ ንመዓልቲ 1800 ሩፒ ንሆቴል እናኸፈልና ኢና ንነብር ዘለና። እዚ ናይ ምግብን ናይ መድሓኒትን ክፍሊት ኣይሓውስን" ይብል ዳናይ።

ኣብ ኢዱ ዝነበረ ገንዘብ ናብ ምውዳእ ገፁ ከምዝኾነን፡ ንስድርኡ ብዌስተርን ዩኒየን ገንዘብ ለኣኹልና ከይብል ድማ፡ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ባንኪ ዕፁው ብምዃኑ፡ ናብ ዝኾነ ቦታ ክንቀሳቐሱ ከምዘይከኣሉ ገሊፁልና።

ኣብ ኒውደልሂ ንክልተ ወርሒ ፀኒሑ፡ ሕዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰ ኣይተ ሃፍቶም እውን፡ ነዚ እዩ ኣረጋጊፁልና።

"ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ኣዝዮም ዝተሸገሩ ሰባት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ከራላ ኣብ ትበሃል ግዝኣት ንፈልጦም ሰብኣይን ሰበይትን ተሓከምቲ ኣለዉ። እቲ ግዝኣት፡ ካብ ኒውደልሂ ልዕሊ 2000 ኪሎሜትር ርሒቑ ስለዝርከብ፡ ብሰንኪ እቲ ዕፅዋ ናብ ዋና ከተማ ክመፅኡ ኣይኽእሉን" ብምባል፡ ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ዕድል ንክገጥሞም እዩ ተመንዩ።

ቁፅሪ ለበዳ ቫይረስ ኣብ ህንዲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምውሳኹ፡ ጥዕና ወላዲቱ ከምዘስግኦ ዝገለፀ ኣይተ ዳናይ፡ ናብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዋላእኳ እንተደወለ፡ እቲ ኤምባሲ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ገደብ ምንቅስቓስ ዕፁው ምዃኑ ከምዝተሓበሮ እዩ ዝገልፅ።

"ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ኒውደልሂ ንዝነበሩ ይወስድ ከምዘሎ፡ ሎሚ [ሰሉስ] ኢና ሰሚዕና፤ ንፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ምስ ሰማዕና ንሕና እውን ናብ ሃገርና ክንምለስ ንደሊ ኢና፤ በይዛኹም ብፅሑልና ኢልናዮም" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ናቶም ቁጽሪ ቪዛ ካብ ምምዝጋብ ሓሊፎም ዝገበርዎ ነገር የለን ይብል፡ ዳናይ።

"ሃገራት ብቻርተር ኣውሮፕላን ዜጋታተን የውፅኣ"

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንምርካብ ናብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኒውደልህን ቤት-ፅሕፈት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ደዊልና ክሰምረልና ኣይከኣለን።

ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ህንዲ ኣይተ ክሩቤል ሽታሁን ግና፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ተሓከምቲ ገጢምዎም ዘሎ ፀገም ከምዝፈልጥዎን፡ እንተኾነ እቲ መገዲ ኣየር፡ ገያሾ ንምጉዕዓዝ ፍቓድ ከምዘይተዋህቦን በረራታት መንግስታት ከምዘተሓባብሮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ።

"ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ መንግስቲ ህንዲ፡ ገያሾ ንምጓዓዝ ዝተውሃበና ፍቓድ ስለዘየለ፡ ምንም ክንገብር ኣይከኣልናን። ሓደ ሓደ ሃገራት ግና፡ 'ብቻርተር ኣውሮፕላን' ዜጋታተን የውፅኣ ከምዘለዋ ንፈልጥ ኢና" ምባሉ ይዝከር።

ይኹን'ምበር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወፃኢ ዝተዓግቱ ዜጋታት ኣሜሪካ፡ ናብ ሃገሮም የግዕዝ ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ።

ኮሮና