ኮሮናቫይረስ: ንደቃ እምኒ ክተብስል ዝተርኣየት ኣደ ሓገዝ ተገይሩላ

ድስቲ ፐኒና

ምንጪ ስእሊ, Caroline Mwawasi/TUKO

መግለጺ ስእሊ, ፐኒና ኣብዚ ድስቲ እያ እምኒ ክትጥጥቕ ዝተርኣየት

ሓንቲ ኬንያዊት ኣደ ሸሞንተ ቆልዑ፡ ንደቃ እትቕርበሎም መግቢ ስለዝሰኣነት እምኒ እናብሰለት ዝተስኣለ ቪድዮ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኬንያውያን ንምሕጋዛ ኢዶም ምዝርግሖም ተገሊጹ።

ነባሪት ከተማ ሞምባሳ ዝኾነት ፐኒና ባካቲ ኪሳዎ፡ ደቃ ትጽቢት ነዊሕዎም ክድቅሱ እዮም ብዝብል ትጽቢት እያ እምኒ ክተብስል ዝጀመረት።

እናዞረት ክዳውንቲ ብምሕጻብ እትናበር ፐኒና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓማዊል ስለዝሰኣነት ንደቃ ተብልዖ ስኢና ኣብ ሓደጋ ወዲቓ።

በቲ ዝረኣየቶ ዝሰንበደት ጎረቤታ ድማ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንመራኸቢ ብዙሓን ተዛሪባ።

ኤንቲቪ ዝተብሃለ መደበር ቴለቪዥን ኬንያ ብዛዕባ እታ ብዘይ ኣቦ ሸሞንተ ቆልዑ እተዕብይ ዘላ ፐኒና ድሕሪ ምቅልሑ፡ ኬንያውያን በቲ ጎረቤታ ዝኸፈተትላ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣቢሎም ሓገዞም ይሰዱላ ኣለው።

እታ ቡምባ ማይን ኤለክትሪክን ኣብ ዘይብሉ ክልተ ክፍሊ ምስ ደቃ እትነብር ፐኒና ነቲ ልግሲ "ተኣምራት" ክትብል ገሊጻቶ።

"ካብ መላእ እዛ ሃገር ሰባት እናደወሉ ብኸመይ ክሕግዙኒ ከም ዝኽእሉ ምስ ሓተቱኒ፡ ኬንያውያን ክሳብ ክንድዚ ፈቃራት ምዃኖም ክኣምን ኣይከኣልኩን" ክትብል ንቱኮ ኒውስ ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ተዛሪባ።

ንሳ ምስቲ ኣብ ኤንቲቪ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ደቃ በቲ ዝፈጠረቶ ብልሓት ክተታልሎም ከም ዘይከኣለት ተዛሪባ።

"የታልሎም ምህላወይ ከም ዝፈለጡ ክነግሩኒ ጀሚሮም፤ ግና ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን" ኢላ።

ጎረቤታ ፕሪስካ ሞማንዪ፡ እቶም ቆልዑ ክበኽዩ ምስ ሰምዐት ኩነታቶም ክትፈልጥ ናብቲ ገዛ ከም ዝኸደት ኤንቲቪ ሓቢሩ።

መንግስቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት እገዳታት ምንቅስቓስ ኣንቢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ዝያዳ ዝተቓልዑ ናይ መግቢ ሓገዛት ይገብር እኳ እንተሎ፡ ናብታ ሰብኣያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብወረበላታት ዝተቐትላ ፐኒና ግና ጌና ኣይበጽሐን ኣሎ።

ኮሮና