ናሚቢያ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ዝፈልዩ ኣኽላባት ተሰልጥን ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናሚቢያ ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ብጨና ዝፈልዩ ኣኽላባት ኣሰልጢና ናብ ስራሕ ብምውፋር ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ሃገር ንምዄን ትሰርሕ ከምዘላ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ዩኒቨርሲቲ ናሚቢያ ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና እንስሳ ንኮሮናቫይረስ ብጨና ዝፈልዩ ኣኽላባት የሰልጥን ከምዘሎ ተገሊጹ።
ነቶም ዝሰልጠኑ ኣኽላባት ናብ መዕርፎ ነፈርትን ዶባትን ብምልኣኽ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ፈልዮም ክሕብሩ ከምዝግበር ጋዜጣ ናሚቢያን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ንዝኾነ ኮናርድ ብራያን ብምጥቃስ ጸብጺባ።
መምህር ክፍሊ ሕክምና እንስሳ ዝኾነት ኣልማ ራት ብወገና እቶም እንስሳታት ኮሮናቫይረስ ንዝሓዞ ሰብ ብጨና ዝፈልዩሉ ብቕዓት 95 ሚኢታዊት ዕውት ከምዝኾነ ሓቢራ።
እቲ መስርሕ ስልጠና ኮሮናቫይረስ ዝፈልዩ ኣኽላባት ቅድሚ ክልተ ወርሒ ከምዝተጀመረ ጋዜጣ ናሚቢያን ኣዘኻኺራ’ላ።
እንተኾነ: ስልጠና ምስወድኡ መዓስ ናብ ስራሕ ከምዝዋፈሩ ብዝምልከት ግን ዝተሓበረ ነገር የለን።
መንግስቲ ናሚቢያ ኣኽላባት ብምጥቃም ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ንምፍላይ ዝግበር ስራሕ ብምጅማር ኣብ ኣፍሪቃ ቀዳሞት ከምዝኾኑ ይገልጹ።
ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ስልጠና ንኣኽላባት ክወሃብ ከምዝጀመረ ጸብጸባት የመልክቱ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







