ኣብ ዱር ኣወስትራልያ ንዝጠፍአት ህፃን ዘድሓነ ከልቢ

ምንጪ ስእሊ, QUEENSLAND POLICE
ፖሊስ ኣወስትራልያ ነታ ካብ ወለዳ ጠፊኣ፡ ኣብ ጫካ ዝተረኸበት ጓል ሰለስተ ዓመት ህፃን ንዝሓለወ ከልቢ ክብሪ ሂቡ።
ህፃን ኣውሮራ፡ ኣብ ኩዊንላንድ ካብ ዝርከብ ገዝኣ ምስጠፍአት ከቢድ ኣለሻ'ዩ ተኻይዱ።
እቲ ነታ ህፃን እናሰዓበ ከይተፈለያ ዝፀንሐ መሊኡ ክሰምዕን ክርእይን ዘይክእል ከልቢ፡ ዕድሚኡ 17 ዩ።
ብቐዳም ንጉሆ ክሳብ ዝርከቡ ድማ ኣብቲ ጫካ ነታ ህፃን እናሓለወ 16 ሰዓታት ሓሊፎም።
እኖሓጎ ህፃን ኣውሮራ፡ ሊሳ ማሬ በነት ከምዝበለቶ ድምፂ ናይታ ህፃን ካብ ኣስታት 2 ኪሎሜትሮ ርሕቀት'ያ ሰሚዓቶ።
"ብዓውታ እናፀዋዕኩ ምስተፀጋዕኩ እቲ ከልቢ ናባይ ብምምፃእ መሊሱ ናብቲ ንሳ ዘላትሉ እናመርሐ ወሲዱኒ" ክትብል ን'ኣወስትራልያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን' ተዛሪባ።
ካልኦት ቤተሰባ'ውን፡ ኣውሮራን እቲ ከልብን ቁሪ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ከውሒ ኮፍ ክብሉ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።
ኣውሮራ እንትርፊ ቀሊል ዝኾነ ማህሰይቲ ካልእ ዝኸፍአ ሓደጋ ከምዘየጋጠማ ተሓቢሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, QUEENSLAND POLICE
ኣውሮራ ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋን ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋን ወለንተኛታትን ናብ ኣለሻ ወፊሮም ነይሮም።
ፖሊስ ኣውስትራልያ ንተግባር ማክስ ብምንኣድ፡ ማዕርግ ክብሪ ከልቢ ፖሊስ ሂብዎ።
ዝኹሉ ተኣማንነት?
ኣብ ዩኒቭርሲቲ ሲድኒ ተመራማሪ ባህርያት እንስሳ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ፖል ክሪቨይ፡ ንማክስ ከም ኣብነት ብምልዓል ብዕድመ ዝዓበዩ ኣኽልብቲ ምስ ደቂ ሰባት ስጡም ዝምድና ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ማክስ ምስታ ህፃን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጭንቀታ ተገንዚቡ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ተዛሪቦም።
"እታ ህፃን ትበክይ እንተነይራ፡ ናብ ዝሓሸ ስምዒት ንኽትምለስ እቲ ከልቢ ይሕግዛ ነይሩ ይኸውን" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊፆም።
"ምስኣ ምፅናሕን ኣብ ጎና ደው ምባልን እቲ ቑፅሪ ሓደ መገዲ ምፅንዕናዕ ክኸውን ይኽእል" ኢሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







