ኣብ ቻይና፡ ዋንኡ ዝሞተቶ ከልቢ ን80 መዓልቲ ኣብቲ ፅርጊያ ተፀብዩ

እቲ ከልቢ ኣብ ፅርጊያ ደው ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Pear Video

መግለጺ ስእሊ, ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ድሕነት እቲ ከልቢ ኣድሂቦም ርእይቶ ሂቦም

ከልቢ ንዋንኡ እሙን ከም ዝኾነ ንዝዝረብ ዘረባ ከም መረጋገፂ ክኸውን ዝኽእል ክስተት ኣብ ቻይና ተራእዩ'ሎ።

ኣብታ ሃገር፡ ሓደ ከልቢ ዋንኡ ብሞት ትፍለዮ። ነታ ዝፈትዋን ዝኣምናን ሰብ ዝሰኣነ እዚ ከልቢ ኣብታ ንሳ ዝሞተትላ መገዲ ደው ኢሉ ምምፃኣ ይፅበ።

ሰብን መኻይንን ብብዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ፅርግያ ኮፍ ኢሎ እናማዕደወ ምፅባዩ ቀፀለ። ነቲ ዜና ንዝሰምዑን ዝረኣዩን ቻይናውያን ዘሕዘነ ኮይኑ።

እቲ ከልቢ ኣብቲ ኩልግዜ ደው ዝብለሉ ቦታ ኮይኑ ዝተቐድሖ ቪድዮ፡ ኣብታ ሃገር ተፈላጢ ኣብ ዝኾነ 'ዌብ ሳይት' ሴና ዌቦ ምስ ተዘርገሐ 1.4 ሚልዮን ግዜ ተራእዩ።

እቲ ከልቢ ዋንኡ ብሞት ካብ ዝሰኣነላ መዓልቲ ጀሚሩ'ዩ ኣብቲ ቦታ ይረአ። ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ታክሲ እናሃበ ዝመሓደር ሓደ ሰብ ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ከልቢ ሰባት ክረድእዎ ኣብ ዝፍትኑ ሃዲሙ ይኸይድ።

"ብመኪና ዝሓልፉ ሰባት መግቢ ይድርብዩሉ። ካብ መኪና እንተወሪድካ ግን ገዲፍካ ይሃድም" ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ድማ ዋንኡ ንሱን ስጡም ርክብን ፍቕርን ከም ዝነበሮም ዘርእይ እዩ።

እቲ በዓል ታኽሲ "ነቲ ከልቢ መዓልታዊ'የ ኣብዚ መገዲ ዝርእዮ። ኣብ ሞንጎኦም ሓቃዊ ፍቕሪ ከም ዝነበረ ዘርእይ እዩ" ክብል ወሲኹ ይዛረብ።

ድሕነት እቲ ኣብ ሓዘን ዝርከብ ከልቢ ዘሕሰቦም ብዙሓት ሰባት እዮም። ብዙሓት ርእይቶ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

ካልእ ወሃቢ ርእይቶ "እዚ ከልቢ ብጣዕሚ እሙን እዩ። ወለደይ ከልቢ ነይርዎም፤ ኩል ግዜ ድማ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ይፅበየኒ ነይሩ" ክብል ተሞክርኡ ወሲኹ ገሊፁ።

እዚ ክስተት ኣብ ቻይና ንመጀመርታ ግዜ ዝተርኣየ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕዚ'ውን ካልእ ከልቢ፡ ዋንኡ ካብ ስራሕ ወፂኡ ናብ ገዝኡ ክምለስ ከሎ፡ ናብ ጣብያ ባቡር ከይዱ ይፅበዮ ነይሩ።

ኣብ ጃፓን እውን ቅድሚ ሚኢቲ ዓመት ይኸውን፡ ንዋንኡ እናወፀ ይቕበል ዝነበረ ከልቢ፡ እቲ ዋንኡ ምስ ሞተ'ውን ነቲ ተግባሩ ንትሸዓተ ዓመታት ቀፂሉሉ እዩ።